ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ናብ ግብጺ ከካይዶ ዝወጠኖ ምብጻሕ ሰሪዙ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ናብ ግብጺ ከካይዶ ዝወጠኖ ምብጻሕ ሰሪዙ

Radio Erena: 30 May 2017

Gandour

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ግብጺ ከካይዶ ዝወጠኖ ምብጻሕ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ፣ ን31 ግንቦት ተመዲቡ ዝነበረ ዑደት ሚኒስተር ጋንዶር ብዘቤታዊ ምኽንያታት ንኻልእ እዋን ከምዝተሰጋገረ ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ እቲ ሚኒስተር፣ ዝርዝር ናይቲ ናይ ግብጺ ዑደቱ ንምስራዝ ዘብቅዐ ዘቤታዊ ምኽንያታት ኣየቕረበን።

መንግስቲ ሱዳን፣ ናብ ግብጺ ተወጢኑ ዝነበረ ምብጻሕ ላዕለዋይ በዓል ስልጣኑ ዝስርዝ ዘሎ፣ “ግብጺ ንተቓወምቲ ሱዳን ተዕጥቕ ኣላ፣” ዝብል ክሲ ድሕሪ ምቕራቡ’ዩ።

ሰራዊት ሱዳን፣ ካብ ግብጺ ዝተለገሳ ድሩዓት መካይን ዝርከቦ ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ንዋት ካብ ኢድ ተቓወምቲ ከምዝተማረኸ፣ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጹ ይዝከር።

ፕረዚንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ብወገኑ፣ ግብጺ ኣንጻር ሱዳን እትልኣሞ ዝኾነ ውዲት የለን ክብል፣ ነቲ ብፕረዚደንት ኣልበሽር ዝቐረበ ክሲ ነጺግዎ’ዩ።

ሱዳንን ግብጽን፣ ብጉዳይ ዶብ፣ ዋንነት ዞባ ሓላይብ ድሕሪ ምስሕሓበን፣ ኣብ ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ቁርቁስ’የን ዝርከባ።

ከም ግብረ መልሲ ናይዚ ድማ፣ መንግስቲ ሱዳን፣ ምስቲ ብጉዳይ ናይል ምስ ግብጺ ኣብ ምስሕሓብ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወጊኑ ከምዘሎ ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0