25 ግንቦት መዓልቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ ተዘኪሩ

25 ግንቦት መዓልቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ ተዘኪሩ

Radio Erena: 29 May 2017

Africa Day

25 ግንቦት፣ መዓልቲ ኣህጉር ኣፍርቃ ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዞባታትን ዝርከቡ ኣምባሳደራት ሓያሎ ሃገራት ዓለም፣ ነዚ ብምኽንያት ምምራት ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ 25 ግንቦት 1963፣ ንመበል 54 ዓመቱ ዝተኸብረ መዓልቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ብሓባር ተኣኪቦም’ዮም ዘኪሮሞ።

ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ድሕሩ ድማ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካብ ዝምስረት ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ኣቑጺሩ እኳ እንተሎ፣ ንሽግራት እዛ ኣህጉር ብፍላይ ድማ ንምስሊ እዛ ኣህጉር ደዊኑ ዘሎ ሕሉፍ ምልካዊ ስርዓታት ከወግድ ኣይክኣለን።

ብድኽነትን ድሕረትን እትሳቐ ዘላ ኣፍሪቃ፣ መዓስከር ውልቀ መለኽቲ እናተባህለት ከምእትግለጽ ዝፍለጥ’ዩ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሸሞንተ መራሕቲ እዛ ኣህጉር፣ ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከቦም’ዮም።

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ፣ ፕረዚደንት ዙምባብዌ ሮበርት ሙጋበ ኸውን እንከሎ፣ ን38 ዓመታት ነዛ ሃገር ዝመርሐ ሙጋበ፣ ኣብ ዓለም እቲ ዝሸምገለ መራሒ’ውን’ዩ።

ንፕረዚደንት ሙጋበ ተኸቲሎም፣ መራሕቲ ኢኳቶርያን ጊኒ፣ ኣንጎላ፣ ኮንጎ ብራዛቪል፣ ካሜሩን፣ ስዋዚላንድ፣ ኡጋንዳ፣ ሱዳንን ኤርትራን ከኣ እቶም ንልዕሊ 25 ዓመታት፣ ኣብ ስልጣን ዝነውሐ ዓመታት ዝጸንሑ፣ ዕሉላት መለኽቲ ኣዛ ኣህጉር ተባሂሎም ኣብ መዝገብ ሰፊሮም ይርከቡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0