ኢትዮጵያ፣ 4.4 ሚልዮን ህጻናትን ኣዴታትን ረድኤት መኣዛዊ መግብታት ክወሃቦም ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ

Radio Erena: 26 June 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ፣ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ንዝተጠቕዑ ኣስታት 4.4 ሚልዮን ሰባት ንምርዳእ ምስ ማዕከን ቆልዑ ሕቡራት ሃገራትን ውድብ መግብን ሕርሻን ስምምዕ ተኸቲሙ።

እቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ኣብታ ሃገር ገኒኑ ንዝረአ ዋሕዲ መኣዛዊ መግብታትን ብሰንኪ ንዝስዕብ ሕማማታን ንምክልኻል ዝዓለመ’ዩ።

ካብቶም ኣብዚዓመት’ዚ ሓገዝ ዝገበረሎም፣ ብዋሕዚ መኣዛዊ መግብታት ዝተጠቅዑ ዜጋታት እቶም 2.7 ሚልዮን ህጻናት ኮይኖም ኣስታት 1.7 ሚልዮን ድማ ኣብ ምጥባው ዝርከባ ኣዴታትን ነፍሰ ጾራትን’የን።

ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ምስ ወራር ዕስለ ኣንበጣን ለበዳ ኮረና ቫይረስን ተተሓሒዙ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ኣንጸላልይዎ ከምዘሎ ተደጋጊሙ ዝግለጽ ዘሎ’ዩ።

ብዘይካ’ቲ ባህርያዊ ሓደጋታት ፈጢርዎ ዘሎ ናይ መግቢ ቅልውላው፣ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ምልካውያን ስርዓታት፣ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዝኽተልዎ ፖሊሲታት፣ ንዜጋታት እዘን ሃገራት ናብ ከቢድ ስእነት መግብታትን ሕሱም ድኽነትን ኣቃሊዕዎም ከምዘሎ ይፍለጥ።

ስእሊ፣- ኢንተርነት ኣርካይቭስ

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0