ዚምባብዌ፣ ዋጋታት ነዳዲ ብ150% ይውስኽ

Radio Erena: 26 June 2020

ብከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ዝሕመስ ኣብ እትሕመስ ዘላ ዚምባብዌ፣ መንግስቲ ንዋጋታት ነዳዲ ናይ 150% ወሰኽ ክገብረሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ፣ ኣብቲ ብሮቡዕ 24 ሰነ ዘውጽኦ ኣዋጅ፣ ንሊትሮ ኣስታት 25 ዶላር ዚምባብዌ ክሽየጥ ዝጸንሐ ናፍታ ናብ ኣስታት 63 ዶላር ክብ ኣቢልዎ ኣሎ።

ኣስታት 29 ዶላር ዚምባብዌ ዝነበረ ቤንዚን ድማ ናብ ኣስታት 72 ዶላር ደይቡ።

ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፍን ዝቕባበን ዘቕለሽልሽ ዘሎ ቁጠባ ዚምባብዌ ንምስትኽኻል፣ መንግስቲ ኣብ ነዳዲን ካልእን ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማታት ብምእላው ዋጋታቱ ጸጸኒሑ ክውስኸሉ’ዩ ዝርአ ዘሎ።

ህዝቢ ዙምባብዌ፣ ድሕሪ ምእላይ ስርዓት ሙጋበ ኣብ 2017’ውን እንተኾነ፣ ፖለቲካውንን ቁጠባውን ለውጥታት ከይርኣየ’ዩ መሪር ህይወት ዘሕልፍ ዘሎ።

ክሳብ 1970ታትን፣ ፍራያት ንዘቤታዊ ሃልኪ ኣኺሉ፣ ዝተረፈ ድማ ናብ ሰደድ እትልእኽ ዝነበረ ዚምባብዌ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ቻይና ብእትረኽቦ ሓገዝን ዕዳን፣ መግብታት ትሽመት ከምዘላ ጸብጻባት እታ ሃገር የረድኡ።

ስእሊ፣- ኢንተርነት ኣርካይቭስ

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0