ኢትዮጵያ፣ ዲጋ ተሃድሶ ንሳልሳይ እዋን ማይ ናይ ምምላእ መስርሕ ከተካይድ ምውሳና፣ ዘይሓላፍነታዊ’ዩ ክትብል ሱዳን ተቓዊማ

Radio Erena: 30 May 2022

ኢትዮጵያ፣ ንዲጋ ተሃድሶ፣ ንሳልሳይ እዋን ማይ ናይ ምምላእ መስርሕ ከተካይድ ምዃና ንዘሕለፈቶ ሓበሬታ ሱዳን ተቓዊማ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ብ28 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ብዳይረክተር ናይቲ ዲጋ ዝተዋህበ መግለጺ፣ ዘይሓለፈነታዊ’ዩ ድሕሪ ምባል፣ ንመርገጺ ሱዳን ኣብ ግምት ዘየእተወ’ዩ ክብል ገሊጹ።

ንረብሓ ሱዳን፣ ግብጺን ኢትዮጵያን ኣብ ግምት ዘእተወ ስሉሳዊ ስምምዕ ክሳብ ዝብጻሕ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ውሳኔ ደው ከብሎ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብተወሳኺ ሓቲቱ።

ኢትዮጵያ፣ ሳልሳይ ዙርያ ምምላእ ዲጋ ተሃድሶ፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ወይ መስከረም ክካየድ ተወጢኑ ከምዘሎ’ያ ሓቢራ።

ብሰፊሕ ክፋል ዶብ ኣብ ምስሕሓብ ዝርከባ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ዝነበረን ፍልልያት’ውን እናሰፍሐ ይመጽእ ከምዘሎ ይትንተን።

ኣብ ጉዳይ ናይል፣ ግብጺን ሱዳንን ተመሳሳሊ መርገጺ ከምዝሓዛ ‘ዩ ዝግለጽ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0