ኢትዮጵያ፣ ዕጡቓት ኦሮሞ ንምህዳን ዶብ ኬንያ ትጥሕስ ምህላዋ ተሓቢሩ

ኢትዮጵያ፣ ዕጡቓት ኦሮሞ ንምህዳን ዶብ ኬንያ ትጥሕስ ምህላዋ ተሓቢሩ

Radio Erena : 01 June 2015

kenyan Army

ኢትዮጵያ፣ ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንምህዳን ዶብ ኬንያ ከምዝጠሓሰት ማዕከናት ዜና እት ሃገር ሓቢረን።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ’ውን ብተመሳሳሊ ዶብ ኬንያ ከምዝጠሓሰት ዝተገልጸ ኮይኑ፣ መንግስቲ ኬንያ ነቲ ኣብ ዶብ ዘጋጥም ዘሎ ኵነታት ንምርግጋእ ናብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውቦ ከባቢታት ተወሳኺ ሰራዊት ኣዋፊሩ ይርከብ።

ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ናብቲ ኣብ ከባቢ ሞያለ ዝርከብ ናይ ኬንያ ቁሸታት ብምእታው፣ ንነበርቲ እተን ዓድታት ዕጡቓት ኦሮሞ ዝርከብሉ ክሕብርዎም ከምዘፈራርሕዎም’ውን እተን ማዕከናት ዜና ይጠቕሳ።

 

እቶም ወትሃደራት ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት፣ ንኬንያውያን ሚልሻ ብረቶም ብምምንዛዕ ንዝተወሰነ ሰዓታት ከምዝሓዝዎም ኣመልኪተን።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ሞያለ ምስ ዕጡቓት ኦነግ ኣብ ዘካየዶ ግጭት’ውን ሓደ ኬንያዊ ከምዝተቐትለ ስታንዳርድ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ መርበብ ሓበሬታ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ንእትርከብ ናይ ኬንያ ሆስፒታል’ውን ወሪሩ ኣትዩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዶብ ኬንያ ብምጥሓስ ዘካይዶ ዘሎ ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ናይ ምህዳን መስርሕ ሓያሎ ሰባት ከምዝቖሰሉ’ውን ዝተፈላለያ ማዕከናት የገንዝባ።

ኢትዮጵያ ዶብ ኬንያ ትጥሕስ ከምዘላ ኣዘዝቲ ፖሊስን ኣመሓደርቲ እቲ ኣብ ዶብ ዝርከብ ከባቢታትን ብተደጋጋሚ እዋን ከመልክቱ ጸኒሖም’ዮም።

እንተኾነ፣ ብዛዕባ’ዚ ብማዕከናት ዜናን ኣመሓደሪ ከባቢታን ኬንያ ዝቐረብ ዘሎ ሓበሬታ ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህቦን።

ኣብ ካልእ ዜና፣ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሶማልን’ውን ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሶማላውያን ምልሻን ብዝተኻየደ ግጭት መብዛሕቶም ሰለማውያን ዝርከብዎም 35 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ሶማል ናብ ዝርከባ ዓድታት ብምእታው ቶኽሲ ከምዝኸፈቱ ዝገለጸ ኣመሓዳሪ ናይታ ኣብ ማእከላይ ሶማል እትርከብ ዞባ ጋልጋዱድ፣ ሑሰን ወሑልየ ኢፍሮ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልን ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን’ውን ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ከምዝፈልጡ

ጠንቒ እቲ ንልዕሊ ሳልስቲ ዝቐጸለ ግጭት ዛጊት ኣይተነጸረን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል’ውን መግለጺ ኣይሃብሉን።
====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0