ኣብ ዶብ ደቡብ ሱዳን ተታሒዞም ዘለዉ ኤርትራውያን ናብ ጁባ ንምስጋር ሓገዝ ይሓቱ ኣለዉ

ኣብ ዶብ ደቡብ ሱዳን ተታሒዞም ዘለዉ ኤርትራውያን ናብ ጁባ ንምስጋር ሓገዝ ይሓቱ ኣለዉ

Radio Erena : 01 June 2015

UNHCR southsudna

ዶብ ኢትዮጵያ ኣቛሪጾም ደቡብ ሱዳን ዝኣተዉ 10ታት ኤርትራውያን፣ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣብ ዝርከባ ዓድታት ደቡብ ሱዳን ተታሒዞም ከምዘለዉ ሓቢሮም።

እቶም ኤርትራውያን ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ላዕላይ ናይል ከምዝተታሕዙ ብምጥቃስ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ከተማ ጁባ ከግዕዞም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክሕግዝዎም ይሓቱ ኣለዉ።

ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ናይ ምጥያስ መስርሕ ተስፋ የብሉን እናበሉ፣ ናብ ሱዳን ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኬንያን ኡጋንዳን ይሰግሩ ምህላዎም ዝፍለጥ’ዩ።

 

========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0