ፈረንሳ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም 9 ሽሕ ስደተኛታት ክትቕበል ብሕብረት ኤውሮጳ ዝቀረበላ እማመ ነጺጋቶ

ፈረንሳ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም 9 ሽሕ ስደተኛታት ክትቕበል ብሕብረት ኤውሮጳ ዝቀረበላ እማመ ነጺጋቶ

Radio Erena : 29 May 2015

refpari

ፈረንሳ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 9 ሽሕ ስደተኛታት ኣብዚ ዝቕጽል ክልተ ዓመታት ከተጣይስ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝቀረበላ እማመ ነጺጋቶ።

ሕብረት ኤውሮጳ ብሮቡዕ 27 ግንቦት ኣብ ዘቕረቦ እማመ፣ ብባሕሪ እናሰገሩ፣ ናብ ኢጣልያ ማልታን ግሪኽን ዝኣተዉ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ሶርያን ዝርከብዎም ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ክጣየሱ ወሲኑ’ዩ።

 

እቲ ሕብረት ብተወሳኺ፣ ነተን ሃገራት ንነፍሲ ወከፍ ዝቕበልኦ ስደተኛ 6 ሽሕ ኤውሮ ክኸፍለን ምዃኑ ይጥቐስ።

እቲ ሕብረት ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒት ብስፍሓት፣ ዓመታዊ እቶተ፣ ብዝሒ ዘለወን ስደተኛታትን ደረጃ ስራሕ ኣልቦነትን ኣብ ግምት ብምእታው ፈረንሳን ጀረመንን ዝበዝሐ ቁጽሪ ናይቶም ስደተኛታት ክዕቁባ ዝብል እማመ ከዳሉ እንከሎ፣ ካልኦት ሃገራት ድማ ከከም ዓቕመን ዝተወሰነ ቁጽሪ ክቕበላ’የን።

በዚ መሰረት ፈረንሳ ኣቐዲሙ ንዝቀረበ ቁጽሪ ድሕሪ ምንጻጋ 6752፣ ጀርመን ድማ 8763 ስደተኛታት ክቕበላ’የን።

ከም ሃንጋሪ ዝኣመሰላ ሃገራት ድ ካብ 600 ክሳብ 800 ስደተኛታት ክቕበላ እማመ ቀሪቡለን ኣሎ።

ብሪጣንያ፣ ኣየርላንድን ደንማርክን ግን ኣብቲ ሕብረት ብዘለወን ፍሉይ መሰል እዚ ብሕብረት ኤውሮጳ ቀሪቡ ዘሎ ብዝሒ ስደተኛታት ናይ ምምቕራሕ እማመ ኣይምልከተንን’ዩ።

ኮሚሽነር ውሽጣዊ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ ዲሚትሪ ኣቭራሞፖሎስ ድሕሪ’ቲ ናይ ሮቡዕ ውሳኔ ኣብ ዘሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ 40 ስሕ ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ምጥያስ እማመ ከምዘቕረቡ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ኢጣልያን ግሪኽን ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራን ሶርያን ኣብዚ ክልተ ዓመት ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ክሰጋገሩ ምዃኖም ጠቒሱ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፖሊስ ፈረንሳ፣ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር፣ ኣብ ፓሪስ ኣብ ትሕቲ ድልድላት መንገዲ ባቡር ቴንዳ ዘርጊሖም ዝነብሩ ዘለዉ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት ንምብታን ከብ መንግስቲ ትእዛዝ ይጽበ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ከምዝተኣኻኸቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ቁጽሪ ስደተኛታት ካብ ዕለት ኣብ ዕለት ኣብ ዝበዝሓሉ ዘሎ እዋ ድማ፣ ኣብ ማእከል ከተማ ፓሪስ ኣብ ጎደናታት ዝሓድሩ ስደተኛታት ምርእይ ንቡር ኮይኑ ኣሎ።

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0