ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዞባ መተከል፣ ብዘይሕጋዊ መስርሕ ንኣስታት 2 ዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ልዕሊ 600 ሰባት ተፈቲሖም

Radio Erena: 26 January 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ ዞባ መተከል፣ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝኣሰሮም ልዕሊ 600 ኢትዮጵያውያን፣ ከምዝፈትሐ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

ንሳቶም፣ ኣብቲ ክልል ጸጥታ ድሕሪ ምፍራሱ፣ ብሓይልታት መንግስቲ ትድለዩ ኣለኹም ተባሂሎም ምስ ተወስዱ፣ ጉዳዮም ብሕጋዊ መስርሕን ቤት ፍርዲን ከይተራእየ ንክልተ ዓመታት’ዮም ተኣሲሮም ከምዝጸንሑ’ዩ ተመልኪቱ።

እቶም እሱራት ክፍትሑ ዝኸኣሉ፣ ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዙ፣ ኣብ ክልል ቤን ሻንጉል፣ ዞባ መተከል፣ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭታት፣ ኣስታት 300 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎምን ልዕሊ 100 ሽሕ ድማ ቤት ንብረቶም ሓዲጎም ድሕሪ ምምዝባሎምን፣ ኣብቲ ዞባ ብሰራዊት ዝመሓደር ሓድሽ ሓይሊ ዕማም ድሕሪ ምቛሙ’ዩ።

እቶም ንክልተ ዓመታት ብዘይሕጋዊ መስርሕ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ተወላዶ ቤንሻንጉል ጉምዚ ኣብ ዝተፈነውሉ፣ ኣመሓደሪ ናይቲ ክልል ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ ካብ ሕሂ ንደሓር ብገበን ዝድለዩ ጥርጡራት ዘይኮኑ፣ ናይ ልምዓት ሓርበኛታት ኮይኖም ክጸንሑ’ዮም ክብል ምግላጹ እቲ ማዕከን ዜና ኣቃሊሑ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኩሉ ክልላት ብዘጋጠመ ጸጥታዊ ሓጓፋት፣ ብሓይልታት ጸጥታን ናይ ዝእሰሩ ዘለዉ ብዝሒ ሰባት 10ታት ኣሽሓት ከምዝበጽሕ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይወቕሱ።

ኣብዚ ክልተ ዓመታት፣ ኣብ ናይ ለውጢ መስርሕ ከምዘሎ ዝገልጽ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ 29 ዓመታት፣ እታ ሃገር ርእያቶም ዘይትፈልጥ ብዝሒ ናይ ብሄርን ካልእን ግጭታት፣ ማእሰርቲ ሰባት፣ ቅንጸላ ሰበ ስልጣንን ምምዝባል ዜጋታቱን ደው ከብል ኣይከኣለን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0