“መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንጥሜት፣ ህዝቢ ትግራይ ንምንብርካኽ ከም መሳርሒ ይጥቀመሉ ኣሎ።” ዘ ኢኮኖሚስት

Radio Erena: 25 January 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ንጥሜት ከም መሳርሒ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ዘ ኢኮኖሚስት ወቒሳ።

እቲ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ መጽሔታት ዓለምና ዝኾነት ዘ ኢኮነሚስት፣ ብ23 ጥሪ ዘቕረበቶ ትንታነ ሓዘል ጽሑፍ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንክልል ትግራት ንምንብርካኽ፣ ንጥሜት ከም መሳርሑ ይጥቀመሉ ምህላዉ፣ ዝተፈላለየ መሰነይታታት ብምቕራብ ነቒፋ።

ስርዓት ደርግ ኣብ 1985፣ ብዝተኸተሎ ተመሳሳሊ ፖሊሲ፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዓጸቦን ጥሜትን ዝረገፈሉ፣ መዛረቢ መላእ ዓለም ዝኾነ ዘሕዝን ከም መዘኻኸሪ ዘቕረበት እታ መጽሔት፣ ኣብዚ እዋን፣ ብተሸላሚ ናይ ሰላም ኖቤል ብዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እትምራሕ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ብዘሕዝን መልክዑ ታሪኽ ትደግም ከምዘላ ኣረዲኣ።

ኣብ ትግራይ፣ ኣስታት 2 ሚልዮን ህዝቢ ንኸቢድ ሓደጋ ጥሜት ተቓሊዑ ከምዘሎ ብምትሕስሳብ ድማ፣ ኣህጉራዊ ትካላት ህጹጽ ስጉምታት ክወስዳ ለበዋታት ኣቕሪባ።

ሕብረት ኤውሮጳ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ኣካላት ማሕበረ ሰብ ዓለም፣ እቲ መንግስቲ ናብ ትግራይ ህጹጽ ረዲኤት ክኣቱ ንዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒታት ይነጽግ ከምዘሎ’ዩ ዝንቀፍ።

ነዚ ብመጽሔት ዘ ኢኮኖሚስት ዝቐረበ ጸብጻብ ዝነጸገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ናብ ትግራይ ህጹጽ ረድኤት ንምእታው ከምዘይዓንቀፈ ይጠቕስ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ ጥራይ ዘይኮነል ኣብ ስርዓት ሃይለስላሴ’ውን ንጥሜት ከም መሳርሒ ፖለቲካ ይጥቀመሉ ምንባሩ’ዩ ዝንቀፍ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ 10 ዓመታት፣ ቁጠባዊ ዕብየት ተመዝግብ ከምዘላ ክትግለጽ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሃንደበት ንድሕሪ ተመሊሳ፣ ሚልዮናት ህዝባ ብዓጸቦ ከይረግፍ ኣብ ኣፈፌት ሞት ከምዘሎ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣውያቱ የስምዕ ኣሎ።

ኣብ ካልእ ዜና፣ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ከምቲ ዝተወጠኖ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክዛዘም ከምዘይክእል ኣብ ዝገሃደሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር ጸጥታ ክሰፍን ብዘይምኽኣሉ ጾታዊ ዓመጽ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ተመልኪቱ።

መብዛሕቱ እቲ ጾታዊ ዓመጽ፣ ብወትሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሚሊሻታት ኣምሓራን ይፍጸም ከምዘሎ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ብናጻ ኣካል ክጻረ ግና ኣይከኣለን።

ሕቡራት ሃገራት፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ፣ ከምዘሻቐሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0