ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ደብዳብ ሞርታራት ምቕጻሉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 26 January 2021

ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ጸጸኒሑ ደብዳብ ይቕጽል ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሱዳን ትሪቡን ንወትሃደራውያን ምንጭታት ሱዳን ብምጥቃስ ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ብ24 ጥሪ፣ ናይ ሞርታር ደብዳብ ኣካይዶም።

በቲ ኣብ ዞባ ገዳርፍ ተካይዱ ዝተባህለ ደብዳብ፣ ኣብ ሰብ ይኹን ንብረት ዝወረደ ጉድኣት ኣይገልጸን።

ብዛዕባ’ዚ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ካብ ወገን ኢትዮጵያን ይኹን ሱዳን ዝተዋህበ ወግዓዊ መልሲ የለን።

ይኹን’ምበር ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዶባት ተፋጢጡ’ዩ ዘሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፣ ብዛዕባ’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት፣ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣንቶንዮ ጉተረሽ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ኵናት ከምዘይትደሊ ብምጥቃስ፣ ሰራዊት ሱዳን ኣብ መሬቱ ከምዘሎ ኣስሚርሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ሰራዊት ሱዳን፣ ዶብ ጥሑሱ ናብ ሉኣላዊ መሬት ኢትዮጵያ ኣትዩ ከምዘሎ’ዩ ዝኸስስ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ብኣንጻሩ፣ ን26 ዓመታት ብኢትዮጵያ ተዘሚቱ ዝነበረ መሬት ከምዘምለሰን፣ ሰራዊት ሱዳን ሒዝዎ ዘሎ ከባቢታት ድማ ሉኣላዊ ክፋል ሱዳን ምዃኑ ይምጉት።
===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0