ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ብርኪ ንምውናን መደብ ከምዘለዋ ተገሊጹ

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ብርኪ ንምውናን መደብ ከምዘለዋ ተገሊጹ

Radio Erena: 03 May 2018

wedeb jibutiኢትዮጵያ፣ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ብርኪ ንምውናን መደብ ከምዘለዋ ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ጅቡቲ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ዛዚሙ ካብታ ሃገር ድሕሪ ምፍናዉ’ዩ።

ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ምርድዳእ ከምዝተበጽሐ ብምርግጋጽ፣ ብዝሒ ናይቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወደብ ጅቡቲ እትውንኖ ብርኪ፣ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣብ ዝካየድ ወግዓዊ ስምምዕ ክግለጽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ጅቡቲ፣ ምስ ናይ ዱባይ ወሃቢ ኣገልግሎታት ወደብ DP World ዝነበራ ናይ 30 ዓመታት ስምምዕ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ከምዝሰረዘቶ ይዝከር።

ምስራዝ እዚ ስምምዕ፣ ነታ 95% ናይ ወደብ ኣገልግሎታታ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ዝተደረተ ኢትዮጵያ ሻቕሎት ከምዝፈጠረላ ብወግዒ ምግላጻ ኣይርሳዕን።

ጅቡቲ፣ ኣገግሎታት ወደብ ንኸመሓድር ምስ ናይ ሲንጋፖር ኩባንያ ስምምዕ ከምዝኸተመት’ውን ይፍለጥ።

ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ተሓጺሩ ዘሎ ናይ ወደብ ኣገልግሎታት፣ ካብ ሱዳንን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኣማራጺታት ተናዲ ከምዘላ ብተደጋጋሚ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ን19% ናይ ወደብ ኣገልግሎት ወደብ በርበራ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ንምውናን ምስ DP World ናይ ዱባይን መንግስቲ ናይታ ርእሰ ምምሕዳርን ስምምዕ ከቲማ።

እንተኾነ እቲ ስምምዕ፣ ብፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ተቓውሞ ገጢምዎ ይርከብ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0