ኔቭሰን፣ ኣብዘን ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣  ካብ ቢሻ 71.6 ሚልዮን ፓውንድ ሓጺን ኣፍርዩ

ኔቭሰን፣ ኣብዘን ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣ ካብ ቢሻ 71.6 ሚልዮን ፓውንድ ሓጺን ኣፍርዩ

Radio Erena: 03 May 2018

bishaኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዕደና፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣ 71.6 ሚልዮን ፓውንድ ሓጺን 8.9 ሚልዮን ፓውንድ ከኣ ነሓስ ከምዘፍረየ ብ1 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ወቕታዊ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

እቲ ካናዳዊ ኩባንያ፣ ኣብ ቢሻ ካብ ዘካየዶ 73.6 ሚልዮን ናይ ሓጺን ዕደና፣ ነቲ 53.4 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ዕደጋ ከምዘቕረቦ’ዩ ዝገልጽ።
ካብቲ 8.9 ሚልዮን ፓውንድ ፍርያት ነሓስ ከኣ እቲ 7.8 ሚልዮን ፓውድን ናብ ዕዳጋ ከምዝቐረበ ኔቭሰን ይጠቅስ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ፍርያቱ ዕብየት ከምዘርኣየ ዝሓበረ እቲ ናይ ዕደና ኩባንያ፣ ናይቲ ንጥፈታት ገንዘብ ከኣ ካብ 125 ሚልዮን ዶላር ናብ 150 ሚልዮን ዶላር ክብ ከምዝበለ ጠቒሱ።

ኣቐዲሙ ኣብ ዕደና ወርቂ ክነጥፍ ዝጸንሐ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ነሓስን ሓጺንን ኣተኵሩ ይርከብ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ዕደና ዝርከብ ኣታዊታት ንህዝቢ ግሉጽን ተሓታትነት ብዘይብሉን መንገዲ የመሓድሮ ከምዘሎ ይውቀስ።

ኩባንያ ኔቭሰን፣ ብትካላት ህግደፍ ብደረጃ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተመዲቦም ንዝመጽእዎ ኤርትራውያን ኣብ ግዱድ ናይ ጉልበት ስራሕ ብምውፋሩ፣ ኣብ ካናዳ፣ ቤት ፍርዲ ኮሎምብያ፣ ክሲ ተመስሪትዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0