ቀጠር፣ ወደብ ሱዋኪን ናይ ሱዳን ንምሕዳስ ብዝኣተወቶ መብጽዓ፣ ዝተፈላለየ መሳርሒታት ልኢኻ

ቀጠር፣ ወደብ ሱዋኪን ናይ ሱዳን ንምሕዳስ ብዝኣተወቶ መብጽዓ፣ ዝተፈላለየ መሳርሒታት ልኢኻ

Radio Erena: 03 May 2018

swakinቀጠር ንወደብ ስዋኪን ናይ ሱዳን ንምብርባሩ ብዝኣተወቶ መብጽዓ መሰረት፣ ናይ መጽዓንን መራገፍን መሳርሒታት ወይ ክሬይን ዝርከቦ ናውቲ ወደብ ከምዝልኣኸት ኣፍሊጣ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሱዳን ዝኣተወ መሰረታዊ ናይ ወደብ መሳርሒታት፣ ኣካል ናይቲ ቀጠር ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ወደብ ንምብርባር ዝሰልዓቶ ኣርባዕተ ቢልዮን ዶላር ምዃኑ፣ ኣምባሳደር ቀጠር ኣብ ሱዳን ራሺድ ቢን ዓብዱል ራሕማን ኣል ኑኢያሚ ኣብቲ ናይ ምርኽኻብ ኣጋጣሚ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን ኣብ ሱዳን ታሪኻዊ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዱ፣ ነዊሕ ዓመታት ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይኑ ዝጸንሐ ወደብ ሱዋኪን ንምብርባሩ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ስምምዕ ከምዝኸተመ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ እቲ ንወደብ ስዋኪን ንምብርባር ዝተኸተመ ስምምዕ ብምውላ ቀጠር ከምዝትግበር ኣየነጸረን።

ድሒሩ ምስ ቀጠር ብዝተኻየደ ስምምዕ፣ ቀጠር፣ ወደብ ስዋኪን ደረጃ ብደረጃ ንምሕዳስ፣ 4 ቢልዮን ዶላር ከምዝሰለዐት ብወግዒ ገሊጻ።

ቀጠር ነዚ ተበግሶ ትወስድ ዘላ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከብ ወደባት ተሻምየናሉ ኣብ ዘለዋ ግዜ’ዩ።

ስዋኪን፣ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ምሉእ ብምሉእ ምስ ተዛዘመ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝሰፍሐ ወደብ ከምዝኸውን’ዩ ዝግለጽ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0