ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ደቡብ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊትን ህዝብን ብዝተጎሃሃረ ግጭት ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 02 March 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ደቡብ፣ ኣብ ምዕራብ ኦሞ ኣብ እትርከብ ከባቢ ማጂ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ህዝብን ብዝተጎሃሃረ ግጭት ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ግጭት፣ ንምእሳር ሓላፊ ጸጥታ እቲ ከባቢ ንምቕዋም፣ ህዝቢ ብ28 ለካቲት ኣብ ዘካየዶ ሰልፊ ከምዝተጎሃሃረ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፣ ነቶም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት ንምብታን ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ፣ ብውሕዱ 10 ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ከምዝኾኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ኢትዮጵያ፣ በብዝተፈላለያ ከባቢታት ጸጸኒሑ ተመሳሳሊ ፍጻሜታት ይነቱግ እኳ እንተሎ፣ መንግስቲ ወግዓዊ መግለጺታት ከይሃበሉ ይሓልፍ ከምዘሎ’ዩ ዝውቀስ።

==================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0