ኢትዮጵያ፣ ኣብ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ክራማት ኣብ ዲጋ ተሃድሶ ማይ ከተዕቅል’ያ

Radio Erena: 09 July 2020

ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ክራማ’ዚ ንዲጋ ተሓድሶ ምምላእ ክትጅምሮ ምዃና፣ ማዕከናት ዜና ግብጺ ሓቢረን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ናይዚ ዓመት ክራማት፣ ዲጋ ተሃድሶ ኣብ ምምላእ ክጥቀመሉ ኢና ምባሉ ኣል-መስር ኣል-ዮም ኣብ ዝጠቐሰትሉ፣ ምዕቋር እቲ ዲጋ ንግብጺ ከምዘይሃስያ ኣፍሊጡ ኢላ።

ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ግብጺ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት’ዚ ምዕቋር ማይ ክትጅምር ዘኽእላ ስምምዕ ከምዘየለ ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢሉ፣ ኩለን ዝምልከተን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከይበጽሓ ኢትዮጵያ ምዕቋር ማይ ተሃድሶ ከምዘይትጅምር እዩ ተገሊጹ ኔሩ። ጋዜጣ ኣልራቖባ ናይ ሱዳን ንሰበስልጣን’ታ ሃገር ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርገሓቶ ሓበሬታ ብወገና፣ ኢትዮጵያ ንዲጋ ተሓድሶ ብምስጢር ክትመልእ ምጅማራ ዘመላኽቱ ምንጻፍ ወሓይዝ ተራእዮም እዮም ኢላ።

ብውሽጣዊ ዓሌታዊ ግጭት ኣብ ቅልውላው እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ብጉዳይ ፈለግ ናይል ምስ ግብጺ ዝጀመረቶ ዲፕሎማስያዊ ቁርቁስ እውን ሰላም ከሊኡዋ ከምዘሎ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0