ኣመሪካ፣ ካብ ኢራን ንሑቲ ናይ የመን ዝተላእከ ዝበለቶ ኣጽዋር ከምዝሓዘት ኣፍሊጣ

Radio Erena: 09 July 2020

ኣመሪካ፣ ካብ ኢራን ንሑቲ ናይ የመን ዝተላእከ ዝበለቶ ኣጽዋር ከምዝሓዘት ኣፍሊጣ።

ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ማይክ ፓምፐዮ ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኢራን ንኣልሑቲ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ምሕጋዝ ስለዘየቋረጸት፣ ኣብ ልዕሊኣ ጸኒዑ ዘሎ ማዕቀብ ክናዋሕ ኣለዎ ኢሉ።

ብመሰረት’ቲ ኣብ 2015 ምስ ኢራን ዝተገብረ ስምምዕ፣ እቲ ማዕቀብ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ከብቅዕ እዩ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ 2018 ካብቲ ስምምዕ ምስሓባ ዝፍለጥ’ዩ።
ማይክ ፓምፐዮ ምንዋሕ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝጸንዐ ማዕቀብ ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሓተተሉ እዋን፣ ሩስያን ቻይናን ተቓውሞታተን ከምዘስመዓ፣ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣመሪካ፣ እቲ ናብ ኣልሑቲ ናይ የመን ክሰግር ተታሒዙ ዝበለቶ ኣጽዋር፣ ፈኲስን ከቢድን ብረት፣ ልዕሊ 200 ሮኬት ሚሳይላት ከምኡ’ውን ጸረ ታንኪ ሚሳይላት ይርከቦ።

ውግእ ሓድሕድ የመን፣ ካብ ውሽጣዊ ኩነታት ወጺኡ፣ ንሓያሎ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን፣ ኤርትራ እትርከቦ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘሳትፍ ዘሎ ዞባዊ ኲናት ተቐዪሩ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0