ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ኦነግን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭታ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ

Radio Erena: 22 April 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ሓያሎ ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ከምዝኾኑ ተገሊጹ።

ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ሰሜን ሸዋን ፍሉይ ዞባ ኦሮምያን፣ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ብዝሖም ብልክዕ ዘይተነጸረ ሰባት ከምዝተቐትሉን ብዙሓት ድማ ቤት ንብረቶም ራሕሪሖም ከምዝተፈናቐሉን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣረጋጊጹ።

ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብሚሊሻታት ኣምሓራ እናተደገፈ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ወለጋ፣ ጉጅን ሰሜን ሸዋን፣ ንኦነግ ንምድምሳስ ን30 ናይ መዓልታት ወትሃደራዊ ወፍሪ ይካየድ ምህላው፣ መንግስቲ ክልል ኦሮሞ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓቢሩ’ዩ።

ብፍላይ ኣብቲ ምስ ክልል ኣምሓራ ዝዋሰን ከባቢታት ክልል ኦሮሞ ንዝንቀሳቀሱ ዕጡቓት ናይቲ ብ’ሸኔ’ ዝፍለጥ ኦነግ ንምህዳን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምዱብ ሰራዊት ጥራት ዘይኮነ ሚሊሻታት ኣምሓራ’ውን ምውፋሩ፣ ነቲ ኩነታት ዘጋድድ ስጉምቲ ምዃኑ ውድባት ኦሮሞ ወቒሰን።

ሓደ ካብ ዓበይቲ ፖለቲካውን ተቓወምቲ ውድባት ኦሮሞ ዝኾነ ኦፌኮ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ዕጡቓት ኣምሓራ፣ ምስ ክልል ኦሮሞ ናብ ዘዋስና ዓድታት እናኣተዉ፣ ይቖጻጸርወን ምህላዎም ብምምልካት፣ እዚ ደው ክብል እንተዘይክኢሉ፣ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኦሮሞን ኣምሓራን ዝበኣሰ ጽልኢ ዝፈጥርን ጎንጽ ዝዕድም’ዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣንጻር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ጀሚርዎ ዘሎ ኵናት፣ መፍትሒ ጸገም ክልል ኦሮምያ ከምዘይከውን ብምዝኽኻር ፣ ፖለቲካዊ ኣማራጺ ከናዲ እቲ ውድብ ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቡ።

ስእሊ፦ ዕጡቓት ኦነግ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0