ፈረንሳ፣ ልዕሊ 2 ሽሕ ወትሃደራዊት ዝተሳተፈዎ ጽዑቕ ልምምድ ኣብ ጂቡቲ ኣካይዳ

Radio Erena: 22 April 2022

ፈረንሳ፣ 2100 ወትሃደራዊት ዝተሳተፍዎ ጽዑቕ ልምምድ ኣብ ጂቡቲ ኣካይዳ።

እቲ ካብ መፋቕር ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ዝተኻየደ፣ ‘ዋክሪ’ ዝተሰምየ ልምምድ፣ ሓይልታት ምድሪ፣ ኣየርን ባሕርን ዘወሃሃደ’ዩ።

ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ጂቡቲ ዓስኪሩ ዝርከብ ሰራኢውት ፈረነሳ፣ ጀነራል ስቴፋን ዱፖ፣ እቲ ልምምድ፣ ንፈረንሳ ክገጥማ ንዝኽእል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ንምምካት ዘኽእል ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ከም ናይ ዩክሬን ዝኣመሰለ ናይ ኵናት ሓደጋ ኣንጸላልዩ ‘ሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ንኹሉ ሓያልታት ዘወሃህድ ልምምድ ምክያድ ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን እቲ ጀነራል ኣረዲኡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሓይሊ ኣየር ፈረንሳ ኣብ ጂቡቲ ዝዓስከረሉ መበል 90 ዓመት ጸንቢሉ።

ኣብቲ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ዝተኻየደ ጽምብል፣ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዝርከብ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ነፈርቲ ውግእን ሄሊኮፕተራትን ዝተሳተፍኦ ወትሃደራዊ ምርኢት ተኻይዱ።

ፈረንሳ፣ ኣብ ጂቡቲ ዝነበራ ብዝሒ ሰራዊት ከተውሕድ እኳ እንተጸንሐት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቅናት ሳሕለ-ሰሃራ ኣብ ብእትከያዶ ዘላ ወትህደራዊ ስርሒታት፣ ወትሃደራዊ ህላዌኣ ከተዛይድ’ያ ትርአ ዘላ።

ኣብ ጂቡቲ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስታት 2 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ፈረንሳ ብቐዋምነት ዓስኪሩ ይርከብ።

ካብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ዝተዋጽአ ሰራዊት ፈረንሳ ድማ፣ በብእዋኑ ኣብ ጂቡቲ ወትሃደራዊ ልምምድ ከካይድ ይርአ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0