ዴንማርክ፣ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ርዋንዳ ንምግዓዝ ትዝቲ ኣላ

Radio Erena: 20 April 2022

መንግስቲ ዴንማርክ፣ ኣሰር እስራኤልን ብሪጣንያን ስዒቡ፣ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ናብ ርዋንዳ ንምግዓዝ ይዝቲ ከምዘሎ ሮይተርስ ሓቢሩ።

‘ምስ ርዋንዳ ነካይዶ ዘሎ ዘተ፣ ኣተገባብራ መስርሕ ምግዓዝ ስደተኛታት ዘጠቓለለ’ዩ’ ክብል ሚኒስተር ኢሚግሬሽን እታ ሃገር፣ ማትያስ ተስፋይ ነቲ ኣገልግሎት ዜና ኣረጋጊጹ።

ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ነጻጊ ፖሊሲታት እተተኣታቱ ዘላ ዴንማርክ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገራ ንዝኣትዉ ወጻእተኛታት፣ ብቀዳምነት ናብ ሃግሮም ምጥራዝ፣ ከም ካልኣይ ድማ ዑቕባ ዝሓቱ እንተኮይኖም፣ ኣብ ካልእ ሃገር ኣብ ዝተደኮነ ግዝያዊ መጽንሒ ማእከላት ኮይኖም ጠለባቶም ከቕርቡ’ያ ትደፍእ ዘላ።

ነዚ ካልኣይ መደብ ንምትግባር ድማ’ዩ መንግስቲ ዴንማርክ ምስ መንግስቲ ርዋንዳ ዝዘራረብ ዘሎ።

ዴንማርክ፣ ምስ ርዋንዳ እተካይዶ ዘላ ዝርርብ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ፣ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ካልእ ሃገር ንምግዓዝ በይናዊ ስጉምቲ ዝወሰደት፣ ናይ ፈለማ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነት ሃገር ክትከውን’ያ።

ካብ እስራኤልን ሊብያን ንዝተመልሱ፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ክቕበል ዝጸንሐ መንግስቲ ርዋንዳ፣ ሕጂ ድማ ካብ ብሪጣንያን ዴንማርክን ንዝግዕዙ መዓጹታቱ ምርሓዉ፣ ሓያሎ ተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታት ተቓውሞታትቶም የስምዑ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0