ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ መራሒ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ዕጡቕ ምንቕስቓስ ግንቦት ሸውዓተ፣ ተመስሪቱ ዝጸንሐ ክሲ ተሰሪዙ

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ መራሒ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ዕጡቕ ምንቕስቓስ ግንቦት ሸውዓተ፣ ተመስሪቱ ዝጸንሐ ክሲ ተሰሪዙ

Radio Erena: 31 May 2018

berhanu negaኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ መራሒ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ግንቦት ሸውዓተ ዝተባህለ ዕጡቕ ምንቕስቓስ፣ ዶክተር ብርሃኑ ነጋ መስሪትዎ ዝጸንሐ ክሲ ከምዘቋረጾ ማዕከናት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢረን።

እቲ መንግስቲ ነዚ ክሲ ከምዝሰረዞ ዝገልጽ ዘሎ፣ ንሞት ተፈሪዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ ምክትሉ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ ዝርከቦም ልዕሊ 780 እሱራት ብምሕረት ድሕሪ ምፍትሑ’ዩ።

ምስ ዶክተር ብርሃኑ ነጋ ብሓባር ዝተኸሰሱ፣ ከም ዶክተር መራራ ጎዲና ዝኣመሰሉ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ፣ ክሶም ተሰሪዙ ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ እንከለዉ፣ ዶክተር ብርሃኑ ነጋ ግና ኣብ ስደት ስለዝነበረ ክሱ ከይተቋረጸ’ዩ ጸኒሑ።

ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት ግና፣ ኣብ ልዕሊ ዶክተር ብርሃኑ ነጋን ኣቶ ጆሃር መሓመድን ተመስሪቱ ዝነበረ ክሲ ጠቕሊሉ ተኣልዩ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ዘጋጠመ ተደጋጋሚ ተቓውሞታትን ናዕብን ህዝቢ ኦሮሞ፣ ፖለቲካዊ ጽገናዊ ለውጥታት ንምትእትታው ካብ ዝወሰዶ ቀዳማይ ተበግሶ ናይ ፖለቲካ እሱራት ምፍታሕ ኮይኑ፣ ዛጊት ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ካብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ብናጻ ተፋንዮም ኣለዉ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0