ኤርትራ፣ ዓመታዊ ብዘጋጥም ብዝሒ ሓደጋ ተሽከርከርቲ ብደረጃ ዓለም ምስ ቀዳሞት 10 ትስራዕ

ኤርትራ፣ ዓመታዊ ብዘጋጥም ብዝሒ ሓደጋ ተሽከርከርቲ ብደረጃ ዓለም ምስ ቀዳሞት 10 ትስራዕ

Radio Erena: 31 May 2018

asm car accዓመታዊ ብዘጋጥም ብዝሒ ሓደጋ ተሽከርከርቲ፣ ኤርትራ ምስ ቀዳሞት 10 ሃገራት ዓለም ከምእትስራዕ ማሕበር ንድሕነት መጓዕዝያ ምድሪ (Association for Safe International Road Travel) ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘቕረቦ ናይ 2018 ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ንውድብ ጥዕና ዓለም ብምውካስ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጎ 100 ሽሕ ነበርቲ ብገምጋም ን48 ሰባት ሓደጋ መኪና የጋጥሞም።

ኤርትራ ውሑድ ብዝሒ ህዝብን ውሑዳት ተሽከርከርትን ዘለዋ ሃገር ክነሳ፣ ብሓደጋ ምስ ቀዳሞት ክትስራዕ ዝኸኣለትሉ፣ እኹል ምልክታት ትራፊክ ዘይምህላዉ፣ ንተሽከርከርቲ ዘይምችእ መንገድታትን ጽርግያን፣ ዝኣረጋ መካይን፣ ሕግታት ትራፊክ ዘይምኽባር ዝኣመሰሉ ጠንቕታት ተዘርዚሮም ኣለዉ።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ልዕሊ 500 ዓበይትን ንኣሹትን ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ከጋጥም እንከሎ ብውሕዱ 200 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ኣብ መንገዲ ኣስመራ ከረን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግምጣል ናይ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ ብውሕዱ 33 ሰባት ከምዝሞቱ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

ኣብ መላእ ዓለም፣ ዓመታዊ 1.3 ሚልዮን ሰባት ብሓደጋ መኪና ህይወቶም ይስእኑ።

እዚ ድማ ብገምጋም መዓልታዊ 3,287 ሰባት ብሓደጋ መኪና ይሞቱ ኣለዉ ማለት’ዩ።

ዓመታዊ ብዘጋጥም ብዝሒ ሓደጋ ተሽከርከርቲ ምስ ኤርትራ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ካብ ዝርከባ ሃገራት፣ ግብጺ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ርሑቕ ኤስያን ይርከብአን።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0