ኢትዮጵያ፣ ንሞት ተፈሪዱ ዝነበረ መራሒ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ዕጡቕ ተቓዋሚ ብምሕረት ተፈቲሑ

ኢትዮጵያ፣ ንሞት ተፈሪዱ ዝነበረ መራሒ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ዕጡቕ ተቓዋሚ ብምሕረት ተፈቲሑ

Radio Erena: 28 May 2018

endargachew

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብፖለቲካን ሽበራን ዝተኣሰሩ ዜጋታቱን ወጻእተኛታትን ብምሕረት ኣብ ዘፋንወሉ ዘሎ ግዜ፣ ንሞት ተፈሪዱ ዝነበረ መራሒ ዕጡቕ ተቓዋሚ ግንቦት ሸውዓተ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ፣ ብቀዳም 26 ግንቦት ብናጻ ከምዝፈትሖ ማዕከናት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢረን።

ኣብ ኤርትራ ናይ ዝመደበሩ መራሒ ግንቦት ሸውዓተ ዝተባህለ ዕጡቕ ሓይሊ ኢትዮጵያ ዝኾነ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽገ፣ ብመንገዲ የመን ኣቢሉ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ እዋን’ዩ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ብሓይልታት ጸጥታ የመን ተታሒዙ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተረኪቡ።

 

ኣብ ኤርትራ ቀዋሚ መዓስከሮም ካብ ዝገበሩ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ብረት ንምእላይ ካብ ዝቃለሱ ጉጅለታት ሓደ ዝኾነ ግንቦት ሸውዓተ፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ሽበራዊ ጉጅለ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ እቲ መንግስቲ ሓፈሻዊ ናይ ለውጢ ተበግሶታት ወሲድሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ኩሎም’ቶም ብፖለቲካን ሸበራን ተኣሲሮም ዝነበሩ ተቓወምቲ ብምሕረት ይፈትሕ ኣሎ።

ኣቶ ኣንዳራጋቸው ጽገ ናይ ብሪጣንያ ዜግነት ዘለዎ ኮይኑ፣ ኣቅዲሙ’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ ክሲ ዝተታሕዙ ናይ ካናዳን ሽወደንን ዜግነት ዘለዎም ክልተ ሰባት ብምሕረት ፈቲሑ’ዩ።

ህዝቢ ኦሮሞ ድሕሪ ዘጓሃሃሮ ህዝባዊ ናዕብን ተቓውሞን፣ ናይ ለውጢ ተበግሶታት ክወስድ ዝተገደደ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዛጊት ልዕሊ 10 ሽሕ እሱራት ከምዝፈትሐ’ዩ ዝግለጽ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0