ኢትዮጵያ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምእዋጃ ናይ ዝኣሰረቶም ዜጋታታ ብዝሒ ልዕሊ 24 ሽሕ በጺሑ

Radio Erena: 20 December 2016

Oromo

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምእዋጁ ዝቐየዶም ብዝሒ ዜጋታቱ ልዕሊ 24 ሽሕ ከምዝበጽሐ ንመግለጺ ሚኒስተር ምክልኻልን ሓላፊ እዚ ህጹጽ እዋንን ኣቶ ሲራጅ ፍጌሳ ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

ብመሰረት ሱዳን ትሪቡን፣ እቲ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ፣ ድሕሪ ምእዋጅ ህጹጽ እዋን፣ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ጥራይ 11, 607 ሰባት ክቕየዱ እንከለዉ፣ ኣብ ካልኣይ ዙርያ ድማ ልዕሊ 12 ሽሕ ሰባት ተኣሲሮም።

መብዛሕቶም እቶም ድሕሪ ምእዋጅ ናይ ህጹጽ እዋን ዝተቐየዱ ኣሽሓት ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ሒደት መዓልታት ክልቀቑ ምዃኖም ዝሓበረ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ናዕብን ዕግርግርን ብምስዋር ዝተኸሰሱ ልዕሊ 2400 ሰባት ግና ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብዚ ቀረባ ናጻ ክልቀቑ ምዃኖም ዝተሓበረ ኣሽሓት ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ምውጽኦም ስልጠና ከምዝወሃቦም’ዩ ዝንገር ዘሎ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት ኢትዮጵያ ዝተጎሃሃረ ተኸታታሊ ናዕብታት፣ መንግስቲ እታ ሃገር፣ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣብ 3 ጥቅምቲ ምእዋጁ ይዝከር።

እቲ መንግስቲ ቅድምን ድሕርን ምእዋጅ ናይ ህጹጽ እዋን፣ ናይ ዝቐየዶም ብዝሒ ዜጋታቱ ኣሽሓት ድሕሪ ምብጽሑ፣ ኣመሪካን ካልኦት ምስቲ መንግስቲ ጽቡቕ ዲፕሎማሲ ዘለወን ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን፣ እቲ ጉዳይ ከምዘተሓሳሰበን ብወግዒ ገሊጸን’የን።

ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ዋሽንግተን ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ኢትዮጵትያ ዑደት ብምክያድ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን እሱራትን ከምዝተዘራረበ ዝፍለጥ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንዝበዝሑ እቶም እሱራት ናጻ ክለቅቕ ምዃኑ ዝገልጽ ዘሎ ድማ፣ ሓደ ሰሙን ድሕሪ ዑደት ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0