“ኣብ ዓመተ 2016፣ 74 ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም፣” ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ

Radio Erena: 20 December 2016

RSF

ኣብ ዓመተ 2016፣ 74 ጋዜጠኛታት ከምዝተቐትሉ ፓሪስ ዝመደበሩ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ (RSF) ሓቢሩ።

2016 ካብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ዝወሓደ ሞት ጋዜጠኛታት ዘጋጠመላ ዓመት ምዃና’ውን ገሊጹ።

መብዛሕቶም እቶም ኣብዛ ትዛዘም ዘላ ዓመት ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታት፣ ኣብ ሶርያ፣ ሊብያ፣ የመን፣ ዒራቕን ኣፍጋኒስታትን ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ዝተቐትሉ’ዮም።

 ኣብዛ እትዛዘም ዘላ ዓመት፣ ብዝሒ ናይ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት 259 ክበጽሑ እንከለዉ፣ ኤርትራ ብብዝሒ ቀይዳቶም ዘላ ጋዜጠኛታት ብደረጃ ዓለም ራብዓይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።

ኤርትራ ብብዝሒ ቀይዳቶም ዘላ ጋዜጠኛታት ብደረጃ ዓለም ኣብ ራብዓይ ደኣ ትሰራዕ እምበር፣ ብናጽነት ፕረስ ግና ነዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ካብ 189 ሃገራት ኣብ መወዳእታ’ያ ተሰሪዓ እትርከብ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0