ኡጋንዳዊ ወትሃደራዊ መኮነን ብቕትለት ኤርትራዊ ነጋዳይ ተቐይዱ

Radio Erena: 20 December 2016

Cap

ናይ ካፕቴን ማዕረ ዘለዎ ኡጋንዳዊ ወትሃደራዊ መኮነን፣ ብቕትለት ኤርትራዊ ነጋዳይ ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ማዕከን ዜና ደይሊ ሞኒተር ካብ ካምፓላ ሓቢሩ።

እቲ ካፕቴን ሓኪም ማንጀኒ ዝተባህለ ኡጋንዳዊ ወትሃደራዊ መኮነን፣ ዳኒኤል ወልዱ ንዝተባህለ 32 ዓመት ንዝዕድሚኡ ኤርትራዊ ንጋዳይ ምስ ክልተ ሰባት ብምትሕብባር ከምዝቐተሉ’ዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

እቶም ምስቲ ካፕቴን ብምትሕብባር ነቲ ኤርትራዊ ነጋዳይ ከምዝቐተሉ ዝተጠርጠሩ፣ ቤን ሉማን ሩሲ ካቱራሙን ዝተባህለ ክልተ ኡጋንዳውያን’ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ደልይሊ ሞኒተር ኣብ ናይ 20 ታሕሳስ ዜና ኣስፊራ ኣላ።

ዳኒኤል ወልዱ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ንግዲ ዝተዋፍረ ኤርትራዊ ኮይኑ፣ ኣብታ ሃገር ዕግርግርን ናዕብን ድሕሪ ምኽሳቱ፣ ህይወቱ ንምድሓን’ዩ ናብ ኡጋንዳ ኣምሪሑ።

እንተኾነ ካብ 27 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ደሃይ ድሕሪ ምጥፍኡ’ዩ ድሕሩ ከምዝተቐትለ ተሓቢሩ።

ኣፈኛ ፖሊስ ኡጋንዳ ኣንድሪው ካወሲ ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ ዳኒኤል ወልዱ ካብ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ምምላሱ፣ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳቡ ክልተ ሚልዮ ኤውሮ ከምዘለዎ ዝፈለጠ ኡጋንዳዊ ወትሃደራዊ መኮነን፣ ናይ ጀርመን ቪዛ ንምርካብ ክሕግዞ ምኻኑ ብምትላል’ዩ ምስ ክልተ ሰባት ብምትሕብባር ቀቲልዎ።

ኣብ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ዝርከቡ ኤርትራውያን ነጋዶ ተደጋጋሚ እዋን ግዳያት ስርቕን ዘረፋን ከምዝኾኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ክሳብ ሞት’ውን የጋጥም’ዩ።

 

ስእሊ፣ ኣፈኛ ፖሊስ ኡጋንዳ

============================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0