ኢትዮጵያ፣ ተወላዶ ኦሮሞ ዘካይድዎ ዘለዉ ተቃውሞ፣ ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት ፈጢሩ

ኢትዮጵያ፣ ተወላዶ ኦሮሞ ዘካይድዎ ዘለዉ ተቃውሞ፣ ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት ፈጢሩ

Radio Erena: 17 December 2015

Oromo

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ተማሃሮ ኦሮሞ ዘጎሃሃርዎ ተቓውሞታት ናብ ሓረስቶትን ካልኦት ኣካላትን እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ዝልሓመሉ እዋን፣ 10ታት ተወላዶ ኦሮሞ ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

እቲ ናብ ሳልሳይ ሰሙኑ ሒዙ ዘሎ ግጭት ሕብረተሰብ ኦሮሞን፣ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያን ናብ ዝልዓለ መልክዑ ብምዕራጉ፣ ኣብቲ ክልል ሓያል ወጥሪ ሰፊኑ፣ ሓያሎ ቀበሌታትን ወረዳታትን እቲ ክልል ከኣ ብዕጡቓት ተወለድቲ ኦሮሞ ተወሪሩ ምህላዎን ዝተፈላለዩ ምንጭታት የረድኡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ብዝሒ ሓሙሽተ ጥራይ’ዩ ክብል ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ክልል ኦሮምያ ዝመጽእ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ግና፣ ኣብቲ ግጭት ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ብዝሒ ልዕሊ 30 ምዃኑ’ዩ።

 

ልዕሊ 80 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ካብ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ 40 ሚእታዊት ተወላዶ እሮሞ ክኮኑ እንከለዉ፣ ብክልል ደረጃ ድማ ብስፍሓቱ ቀዳማይ ደረጃ ይሕዝ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ንግድን ወፍርን ብዝተሓሓዝ ኣብ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ፣ ኣምቦን ካልእ ክፋላት ክልል ኦሮሞያ ከተግብሮ ንዝሰርሓሉ ዘሎ ናይ መሬት ውጥን ብምቕዋም፣ ተማሃሮ ዝጀመርዎ ሰለማዊ ሰልፊ ናብ ናዕብን ዕግርግርን ድሕሪ ምዕራጉ፣ ሓረስቶት’ውን ነቲ ተቃውሞ ተጸንቢሮሞ ኣለዉ።

ኣብቲ ክልል ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝበኣሰ መልክዑ ንኸይዓርግ መንግስቲ ኣሽሓት ኣባላት ሰራዊትን ፖሊስን ኣዋፊሩ ይርከብ።

ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ እቲ ናዕቢ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ከምዝኾነ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን ከኣ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ’ቶም ነቲ ግጭት ዘጎሃህሩ ዘለዉ፣ “ምስ ተቓወምቲ ምትእስሳር ኣለዎም፣” ዝበሎም ተወላዶ ኦሮሞ ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ደጋጊሙ የጠንቕቕ ኣሎ።

ኣብ ከባቢታት ጎንደር’ውን ድሕሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዝከተሞ ናይ ዶብ ስምምዕ ዝተበጋገሰ ተቓውሞታት ናብ ናዕብን ግጭትን ይጉህር ምህላዉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር የረድኡ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0