ብኸቢድ ምግሃስ መሰል ደቂ ሰብ ኣብ እትኽሰስ ኤርትራ፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ተዘኪሩ ውዒሉ

ብኸቢድ ምግሃስ መሰል ደቂ ሰብ ኣብ እትኽሰስ ኤርትራ፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ተዘኪሩ ውዒሉ

Radio Erena: 17 December 2015

HUman righ

ብኸቢድ ምግሃስ መሰል ደቂ ሰብ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ኤርትራ፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ተዘኪሩ።

ኣብቲ ብሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት መሻርኽትን ተወዲቡ ብሓሙስ 10 ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ዝኽሪ መበል 67 ዓመት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ካልኦት ዕዱማትን ተረኺቦም ኔሮም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቡ መደበረ ዘስምዐ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ከኣ፣ ኤርትራ ዘካየደቶ ቃልሲ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታታ ንምርግጋጽ ምዃኑ ብምምልካት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ንኤርትራ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብምኽሳስ፣ ምስላ ንምድዋን ፖለቲካዊ ዕላማ ዝሓዙ ኣካላት ከምዘለዉ ገሊጹ።

ፍልይቲ ልእኽቲን መርማሪት ኮሚሽንን ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራ ዝኣመሰሉ ከም ኣብነት ኣቕሪቡ።

 

መንግስቲ ኤርትራ ቅድሚ’ዚ እዋን’ዚ ብሕቡራት ሃገራት ይኹን ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝእንገድ ዝነበረ ዓመታዊ ዝኽሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብዙሕ ኣተኩሮ ክገብረሉ ከምዘይጸንሐ ይፍለጥ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣስመራ ንመበል 7ይ ግዜኡ ክዝክራ እንከሎ፣ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ኣጋጣሚ መደረ ከስምዕ ግና ንፈለማ እዋኑ’ዩ።

ኣብዚ መበል 67 ዓመት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብደረጃ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱ ምስታፉን መደረ ምቕራቡን፣ ምስቲ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ መንግስቲ ዝልግሶ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ ምትሕሓዝ ከምዘለዎ’ዩ ዝንገር።

ይኹን’ምበር ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ዝኽሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዝነብር ህዝቢ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃባን።

ሕብረት ኤውሮጳ’ውን፣ ነቲ ብሰንኪ ሰብኣዊ መሰላት ተሰናኪሉ ዝጸንሐ ልምዓታዊ ሓገዝ፣ ንመግስቲ ኤርትራ ክወሃቦ ዝፈቐደ ድሕሪ’ቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዝኽሪ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት’ዩ።
===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0