መንግስቲ የመንን ሑቲን ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ከቲሞም

መንግስቲ የመንን ሑቲን ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ከቲሞም

Radio Erena: 17 December 2015

Yemen peacetalks

ተቓወምቲ ሑቲን መንግስቲ የመን ናይ እሱራት ምልልዋጥ ኣካይዶም።

ምልውዋጥ ናይቶም 360 ካብ ተቃወምቲ 265 ከኣ ካብ ወገን መንግስቲ ዝኹኑ እሱራት ኣብ ዞባ ላሃጅ ከምዝተኻየደ’ዩ ዘመልክት ጸብጻብ ኣል ዓረብያ።

ክልቲኦም ወገናት እሱራት ንምልውዋጥ ዝተሰማምዑ ድሕሪ’ቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝኸተምዎ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ’ዩ።

ዕላማ’ቲ ብሕቡራት ሃገራት ተወዲቡ ዝተኻየደ ውዕሉ ምቑራጽ ቶኽሲ ዕጡቓት ሑቲን መንግስቲ የመን፣ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ህጹጽ ሓገዝ ንምብጻሕን ግጭት የመን ከኣ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክርከቦ ዝክኣል እንተኮይኑ ንምምይያጥን ዝዓለም’ዩ።

 

ብመሰረት እዚ ውዕል ምቁራጽ ተዅሲ፣ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ኪዳን ሃገራት ዓረብ’ውን ኣብታ ሃገር ዘካይዶ ንዘሎ ደብዳብ ደው ከብሎ’ዩ።

ክልቲኦም ወገናት የመን ኣብ ውዕል ምቁራጽ ቶዅሲ ምስምምዕምን እሱራት ክለዋወጡ ምኽእሎምን ከም ሓደ ዓቢ ፖለቲካዊ ዓወት ይርአ እኳ እንተሎ፣ እዚ ግና ግዝያዊ እንተዘይኮይኑ ነባሪ ፍታሕ ከምጽእ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ከምዘይሎ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ከባቢ የረድኡ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0