ኢትዮጵያ፣ ብቕዓቱ ዘይሓለወ 70 ሚልዮን ኮንዶም ክትጉሕፍ’ያ

ኢትዮጵያ፣ ብቕዓቱ ዘይሓለወ 70 ሚልዮን ኮንዶም ክትጉሕፍ’ያ

Radio Erena: 28 June 2016

Condom

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ህንዲ ዝዓደገቶ 70 ሚልዮን ኮንዶም ብቕዓቱ ኣይሓለወን ብምባል ክትጉሕፎ ከምዝወሰነት ኣሶሸትድ ፕረስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

እቲ ካብ ለገስቲ ብዝተረኽበ ሓገዝ ብኣስታት 2 ሚልዮን ዶላር ካብ ህንዲ ዝተዓደገ ኮንዶም፣ ኩሉቲ ተጠቐምቲ ንኤችኣይቪ/ኤይድስ ንኸይቃልዑ ክማልእ ዝግብኦ ብቕዓትን ከምዘይብሉ ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ኣቶ ከበደ ወርቑ ኣረጋጊጹ።

ካልኦት ክኢላታት ኣብ ምቁጽጻር ጥዕናን ብቕዓትን መግብን መድሃኒትን እታ ሃገር ብዝሃብዎ ርእይቶ ከኣ፣ እቲ ኮንዶም ብዓይኒ ዘይርአ ፈሳሲ ግና ከልሑኽ ዝኽእል ቀዳዳት ከምዝተረኽቦ ገሊጾም።

 

ኢትዮጵያ ንብምሉኡ እቲ ኮንዶም ክትጉሕፎ ድሕሪ ምውሳና፣ ነቲ ኮንዶም ዘፍረየ ህንዳዊ ትካል ገንዘባ ክመልሰላ’ውን ክሲ መስሪታ ምህላዋ ማዕከናት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ይሕብራ።

እቲ ህይወት ደቂን ሰብ ንሓደጋ ከቃልዕ ዝኽእል ኮንዶም ዘፍሪ ዘሎ ናይ ህንዲ ትካል ብሕጊ ዝሕተተሉ መንገዲ’ውን ይናደ ምህላዉ ይጠቕሳ።

ኢትዮጵያ፣ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኤችኣይቪ/ኤይድስ ንምግታእ ካብ እትግበሮ ዘላ ሓያሎ ጻዕርታት ሓደ፣ ብቕዓቱ ዝተረጋገጸ ኮንዶም ብርትዓዊ ዋጋ ኣብ ኩሉ ከምዝህሉ ምግባር’ዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ሰባት ምስ ኤችኣይቪ/ኤይድስ ከምዝነብሩ ክገልጽ እንከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና እቲ ቁጽሪ ናብ ኣስታት 600 ሽሕ’ዩ ዘጸጋግዖ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0