ኣልሸባብ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ሓደ ሚኒስተር ዝርከቦም 15 ሰባት ተቐቲሎም

ኣልሸባብ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ሓደ ሚኒስተር ዝርከቦም 15 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 28 June 2016

Al

ኣልሸባብ ኣብ ሶማልያ፣ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ሓደ ሚኒስተር ዝርከቦም ብውሕዱ 15 ሰባት ከምዝተቐትሉ ቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ብቀዳም 25 ሰነ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ቀጽሪ ሓደ ፖለቲከኛታትን ዲፕሎማሰኛታት ዝእከብሉ ሆቴል ኣብ መኪና ነታጕ ብምጽዋድ’ዩ ተፈጺሙ።

እቲ ዝተጻወደ ነታጕ ድሕሪ ምፍንጃሩ ከኣ ዕጡቓት ኣልሸባብ ናብቲ ሆቴል ብምእታው፣ ናብ ዝርከBዎ ሰብ ኣድራጋ ጠያይቲ ከምዝተኮሱ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ገሊጾም።

 

በቲ መጥቃዕቲ ከኣ ሚኒስተር ኣከባቢ እታ ሃገር ቡሪ መሓመድ ሓምዛ ዝርከቦም 15 ሰባት ከምዝተቐትሉ ፈደራላዊ መንግስቲ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ካልኦት ሰባት ኣይተሓበረን።

ሽብራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓለፍነት ብምውሳድ፣ ኣብዚ ቀረባ’ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ክፍጽም ምዃኑ ኣጠንቒቑ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0