ውድብ መግቢ ዓለም ናብ ደቡብ ሱዳን ዝልኣኾ ናይ መግቢ ረዲኤት ብኤርትራ ምሕላፉ፣ ወደባት ኤርትራ ንምብርባሩ ሓገዚ ምዃኑ ተገሊጹ

ውድብ መግቢ ዓለም ናብ ደቡብ ሱዳን ዝልኣኾ ናይ መግቢ ረዲኤት ብኤርትራ ምሕላፉ፣ ወደባት ኤርትራ ንምብርባሩ ሓገዚ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 29 June 2016

massawa

ውድብ መግቢ ዓለም ናብ ደቡብ ሱዳን ዝልኣኾ ናይ መግቢ ረዲኤት ብኤርትራ ምሕላፉ፣ ወደባት ኤርትራ ንምብርባሩ ሓገዚ ምዃኑ ተገሊጹ።

ውድብ መግቢ ዓለም ናብ ደቡብ ሱዳን ዝቐንዐ ረዲኤት ኣቐዲሙ ብወደብ ጅቡትን ፖርት ሱዳንን ይልእኮ እኳ እንተነበረ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ወደብ ጅቡቲ ጻቕዒ ስለዘጋጠሞ፣ ኣማራጺታት ንምንዳይ’ዩ ንወደብ ባጽዕ ከም መፈተኒ ክጥቐመሉ ወሲኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ቅነ ኣብ ወደብ ባጽዕ ዝተራገፈ ኣስታት ሓደ ስሕ ቶን ናይ እኽሊ ረዲኤት ድሮ ብመካይን ተጻዒኑ ናብ ደቡብ ሱዳን ከምዝተላእከ ተሓቢሩ።

 

ታሪፍ ወደብ ባጽዕ ካብ ወደብ ፖርት ሱዳን ዝኸበረ ምዃኑ’ውን ውድብ መግቢ ዓለም ሓቢሩ።

እቲ ትካል ንወደብ ባጽዕ ክጥቐመሉ እንተወሲኑ ግና ታሪፍ ናይ ኣገልግሎታት ወደብ ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ንምጉዳል መንግስቲ ኤርትራ መብጽዓ ከምዝተኣትወሉ’ውን ኣብቲ ናይ ሮይተርስ ጸብጻብ ሰፊሩ ኣሎ።

ወደባት ኤርትራ ካብ ዘቤታዊ ሓሊፉ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ኣገልግሎታ ካብ ምሃብ ንነዊሕ ዓመታት ኣቝጺሩ’ዩ ጸኒሑ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0