ኢትዮጵያ፣ ቁጽሪ ናይቶም ምስ ፈተነ ዕልዋ ምትእስሳር ኣለኩም ተባሂሎም ዝእሰሩ ዘለዉ ልዕሊ 250 በጺሑ

Radio Erena: 30 June 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ምስቲ ብ22 ሰነ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ ምትሕሓዝ ኔርኩም ተባሂሎም ናይ ዝቕየዱ ዘለዉ ውልቀ ሰባት ይቕጽል ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ብዓርቢ 28 ሰነ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ብዝዘርገሖ ሓበሬታ መሰረት፣ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 250 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

212 ካብዚኦም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ክተሓዙ እንከለዉ፣ 43 ከኣ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተታሕዙ እዮም።

እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ፣ መርመራን መስርሕ ምቕራምን ገና ቀጻሊ ስለዘሎ፣ ቁጽሪ ናይ ዝእሰሩ ሰባት ካብዚ ክዛይድ ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።

ካብዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ፣ ወሃብ ቃል ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ክርስቲያን ታደለ ይርከቦም። ንሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ቅድሚ ምእታዉ ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣባላት ውድቡ ብፍሉይ ዒላማ ብምግባር ይኣስሮም ኣሎ ክብል ከሲሱ ኔሩ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ብተዛማዲ ሃዲኡ እኳ እንተሎ፣ እታ ሃገር ኣብ ዝመጽእ ዓመት ከተካዪዶ መዲባ ዘላ ሃገራዊ ምርጫ ቅድሚ ምብጽሑ፣ ኣብ ምርግጋእ ብሄር ዝመንቀሊኡ ግርጭት፣ ከቢድ ዕማም ይዝበያ ከምዘሎ፣ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ካብታ ሃገር የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0