ኢትዮጵያ፣ ሰበስልጣን ዝርከብዎም 69 ሰባት ዓሌታዊ ግጭት ብምልዕዓል ተኸሲሶም

Radio Erena: 02 June 2019

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ብሄራት ኢድ ኔሩኩም ዝተባህሉ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም 69 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
ብመንግስቲ ዝውነን ማዕከን ዜና ኣምሓራ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፣ ኣብ ምጉህሃር እቲ ግጭት ኢድ ኔሩኩም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ካልኦት ሰበስልጣን መንግስቲ እውን መርመራ ይካየደሎም ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
ብሄር ዝሰረቱ ፈደራላዊ ምምሕዳር ኢትዮጵያ፣ ንዞባታት’ታ ሃገር ስልጣን ርእሰ ምምሕዳር ክህብ ዝሃቀነ’ዩ ዝብል ምኽንያት ክወሃቦ እንከሎ፣ እቲ ብሄራት ነናይ ገዛእ ርእሰን ፈደረሽን ከምዝወሃበን ምግባር፣ ንግጭትን ምትፍናንን ዝያዳ ዕድል ሂቡ’ዩ ክብሉ ሓያሎ ወገናት ትዕዝብታቶም ይገልጹ።
ብኻልእ ወገን፣ ኣብ ምዕራባዊ ወለጋ ዝርከብ ናይ ወርቂ ዕደና ትካል፣ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ከምዝተዘምተ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
እቲ ዋንነት ብሪጣንያዊ ትካል ዝኾነ ትካል ለንደን ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብዕለት 26 ግንቦት፣ ብረት ዝዓጠቑ ሰባት ናብቲ ትካል ብምእታው ጂ.ፒ.ኤስ.ን ማይክሮስኮፕን ዝርከቦ ንብረት ከምዝዘመቱን፣ ገለ ክፋል’ቲ ትካል ከምዘዕነዉን ሓቢሩ።
ኣብቲ ትካል ሓሓሊፉ ስርቂ ክረአ እኳ እንተጸነሐ፣ ከምዚ ብረት ብዝዓጠቑን ዝተወደቡን ጉጅለታት ዝግበር ዝምታ ግና ናይ ፈለማ እዋኑ ከምዝኾነ እቲ ትካል ብተወሳኺ ገሊጹ።
ነዚ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ብሄራዊን ክልላዊን ግርጭት ተጠቒሞም ሓያሎ ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ኣህጉራውያን ትካላት ዝምታ ከካዪዱ ምጽንሖም በብግዚኡ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0