ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ 10ታት ኤርትራውያን ናብ ኢጣልያ ግዒዞም

Radio Erena: 31 May 2019

ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ 10ታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 140 ሓተቲ ዑቕባ፣ ብ30 ግንቦት ናብ ኢጣልያ ግዒዞም።

እዞም ቆልዑን ደቀንስትዮን ዝርከብኦም ሓተቲ ዑቕባ ብሓገዝ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት’ዮም ናብ ኢጣልያ ተጣይሶም ዘለዉ።

እቲ ኣህጉራዊ ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ተመሳሳሊ ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ኣግዒዙ’ዩ።

UNHCR፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ናብ ኢጣልያ፣ ካናዳን ካልኦት ሃገራትን ናይ ምጥያስ መስርሕ ይቕጽል ኣሎ።

እንተኾነ መስርሕ ምጥያስ ስደተኛታት፣ ኣብ ሊብያ ምስ ዘሎ ህጹጽ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ይቀላጠፍ ከምዘሎ ይግለጽ።

ነቶም ኣብ መንጎ ኵናት ተቐርቂሮም ዝርከቡ ስደተኛታት፣ ህይወቶም ብህጹጽ ንምድሓኑ በብእዋኑ ናብ ኒጀር ከግዕዞም ምጽንሑ’ውን ይፍለጥ።

ካብቲ ኣብ በረኻታት ኒጀር ዝተደኮነ ግዝያዊ መዓስከር ስደተኛታት፣ ናብ ሃገራት ምዕራብ ናይ ምግዓዝ መስርሕ’ውን በብእዋኑ ይስርሓሉ ከምዘሎ ጸብጻብ UNHCR የመልክት።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0