ኢትዮጵያ፣ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሑ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ዘዋፍራ ሃገራት ምዃና ተገሊጹ

ኢትዮጵያ፣ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሑ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ዘዋፍራ ሃገራት ምዃና ተገሊጹ

Radio Erena: 02 February 2018

un

ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሑ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ዘዋፍራ ሃገራት ምዃና ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እታ ሃገር ልዕሊ 8300 ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣዋፊራ ከምዘላ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዞባ ኣብየይ ተዋፊሩ ንዘሎ ሰራዊታ ከም ኣብነት ጠቒሱ።

ዋና ጸሓፊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ዦን-ፒየኽ ላክኽዋ ( Jean-Pierre Lacroix) ብ30 ጥሪ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ወርቅነ ገበየሁ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ንእትገብሮ ዘላ ኣበርክቶ ኣመስጊኑ።

እቲ ዋና ጸሓፊ ብዘይካ’ዚ፣ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት፣ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን፣ ኢጋድን ብምትሕብባር ሰላም እዛ ኣህጉር ኣብ ምዕቃብ ዝከኣሎ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ብሄራት ንዝጎሃሃር ዘሎ ግጭታትን ጸጸኒሑ ዝነቱግ ዘሎ ተቓውሞን ናዕብን ህዝቢ ዘየወገደ፣ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓቀብቲ ሰላም ምውፋሩ ሓያሎ ተቓወምቲ ወገናት እቲ መንግስቲ ይነቕፉ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0