ስዑዲ ዓረብ፣ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ክሰርሕሉ ዘይግባእ 12 ናይ ስራሕ ንጥፈታት ኣውጺኣ

ስዑዲ ዓረብ፣ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ክሰርሕሉ ዘይግባእ 12 ናይ ስራሕ ንጥፈታት ኣውጺኣ

Radio Erena: 01 February 2018

salman of saስዑዲ ዓረብ፣ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ክሰርሕሉ ዘይግባእ 12 ናይ ስራሕ ንጥፈታት ኣውጺኣ።

እታ ሃገር ብዘውጽኣቶ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ክነጥፉ ዘይግባእ ስራሕ ኢላ ዘርዚራቶ ካብ ዘላ ንጥፈታት፣ ኣብያተ መሸጣ ሰዓት፣ መነጽር ዓይኒ፣ ቴሌፎን፣ መካይን፣ ናይ ገዛ ኣቑሑ፣ ናይ መጋየጺ መናጽፍ፣ ስፉይ ክዳውንቲን ኣብያተ ሕብስትን ይርከቦ።

እቲ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ ኣዋጅ ብዘይካ’ዚ፣ ዋንነት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ትካላት ብስዑዳውያን ጥራይ ከምዝበሓት ብምንጻር፣ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ብፍቓድን ኣፍልጦን መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ስዑዳውያን ወነንቲ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ትካላት ክሰርሑ ከምዝኽእሉ የመልክት።

ስዑዲ ዓረብ፣ ነዚ ኣዋጅ እዚ ተውጽእ ዘላ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ወይ ኢቓማ ዘይብሎም ናይ ወጻኢ ዜጋታት ኣብ እትሰጎሉ ዘላ እዋን’ዩ።

ብዘይካ’ዚ እታ ሃገር ሰሊዓቶ ዘላ ንነፍሲ ወከፍ ወጻእተኛን ኣባላት ስድራቤቱን፣ ዓመታዊ ክኸፍልዎ ዝግባእ መጠን ገንዘብ ካብ ዓቕሚ’ቶም ዝበዝሑ ኣብ ናይ ጉልበትን ናይ ገዛ ስራሕ ዝተዋፈሩ ወጻእተኛታት ብምዃኑ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ወጻእተኛታት ካብታ ሃገር ክወጹ ይግደዱ ኣለዉ።

ድሕሪ’ዚ ተኸታታሊ ሓድሽቲ ኣዋጃት፣ ኣምኢት ኤርትራውያን ስድራቤቶም ናብ ግብጽን ሱዳንን የሰጋግሩ ከምዘለው ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0