ኢትዮጵያ፣ ሓሙሽተ ጀነራላት ዝርከብዎም ልዕሊ 63 ሰባት ብክሲ ብልሽውናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ተኣሲሮም

ኢትዮጵያ፣ ሓሙሽተ ጀነራላት ዝርከብዎም ልዕሊ 63 ሰባት ብክሲ ብልሽውናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ተኣሲሮም

Radio Erena: 15 November 2018

 

 mtec offኣብ ኢትዮጵያ፣ ብክሲ ብልሽውናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ዝተኣስሩ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ 63 ከምዝበጽሐ ተገሊጹ።

ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ኣቶ ብርሃኑ ጸጋይ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቶም ክሱሳት ጉዳዮም ሕጋዊ መስርሕ ይኽተል ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ድሮ’ውን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረቡ ሓቢሩ።

ዝበዝሑ ካብቶም ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተኣሲሮም ዘለዉ ሰባት፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን እታ ሃገር ዝነበሩ ኮይኖም እቶም ብብልሽውና ዝተኸሰሱ ድማ ብውሕዱ ሓሙሽተ ጀነራላትን ትሽዓተ ኮለነላትን ዝርከብዎም ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ናይቲ ብሜቴክ ዝፍለጥ ክፍሊ ምህንድስና ምክልኻል እታ ሃገርን’ዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብተመሳሳሊ ክሲ ንዝድለዩ ዘለዉ ካልኦት ሰበ ስልጣን ነበር’ውን ንምቕያዶም ጻዕርታት ይገብር ከምዘሎ ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ምእሳር ጥርጡራት፣ ናብ ተወላዶ ትግራይ ጥራይ ዘተኮረ’ዩ ዝብል ስምዒታት ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኩሎም ብገበን ዝድለዩ ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብማዕረ ክርኣዩ ጸዊዑ ኣሎ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0