ዞባ ማእከል፣ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ታዕሊም ከካይዱ’ዮም

ዞባ ማእከል፣ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ታዕሊም ከካይዱ’ዮም

Radio Erena: 15 November 2018

hizbawi serawitኣብ ዞባ ማእከል ዝርከቡ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት፣ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዘካይድዎ ዝነበሩ ታዕሊም ክቕጽል ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ብምምሕዳራት ተዘርጊሑ ዘሎ ትእዛዝ፣ ኣብ ትሕቲ ክፍለ ሰራዊት 59 ዝተጠርነፉ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ከባቢ ኣስመራ፣ ኣብ ኤክስቦ ዘካይድዎ ዝነበሩ ታዕሊም ክቕጽል ምዃኑ ዘዘኻኽር’ዩ።

እቶም ብስም ዑቕር ሰራዊት ዝፍለጡ ዝነበሩ ድሒሮም ድማ ህዝባዊ ሰራዊት ዝተሰምዩ፣ መብዛሕቶም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ኣቦታትን ኣቦሓጎታትን፣ ድሕሪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዝተባህለ ሰላም፣ ብረቶም ከረክቡ ምዃኖም’ዩ ክሕበሮም ጸኒሑ።

ይኹን’ምበር ብመሰረት ካብ ኣስመራ ዝረኸብናዮ መረጋገጺ፣ እቶም ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ካብ ሰንበት 12 ሕዳር ኣትሒዞም ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ዝቕጽል ታዕሊም ጀሚሮም ኣለዉ።

 

================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0