ፕረዚደንታት ፈረንሳን ጅቡቲን ኣብ ሓድሽ ምዕባለታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመያይጦም

ፕረዚደንታት ፈረንሳን ጅቡቲን ኣብ ሓድሽ ምዕባለታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመያይጦም

Radio Erena: 14 November 2018

French Djibouti

ኣብ ፈረንሳ፣ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፈጸመ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸስቲቱ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታትን ዝምድና ምስ ኤርትራን ብዝምልክት ምስ ፕረዚደንት ኢማኑዌል ማክሮን ከምዝተዘራረቡ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ገለ፣ 11 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ምዝዛም ቀዳማይ ኵናት ዓለም ንምስታፍ ናብ ፓሪስ ድሕሪ ምእታዉ’ዩ ምስ ፕረዚደንት ማክሮን ምይይጥ ዘካየደ።

ክልቲኦም ፕረዚደንታት ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ፣ ታሪኻዊ ዝምድና ፈረንሳን ጅቡቲን ሕጂ ዘለዎ መድረኻትን ድሕሪ ምግምጋም፣ ኣብቲ ዞባ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝተወስደ ናይ ሰላም ተበግሶን ጅቡቲ ዘለዋ መርገጽን ተመያይጦም።

ብዘይካ’ዚ ኤርትራን ጅቡትን ዘለወን ዘይተፈትሐ ጉዳያት ብምዝምልክተ ድሕሪ ምዝርራብ፣ ምልዓል ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ዘትየሙሉ።

ንትሽዓተ ዓመታት ኣብ ምስሕሓብ ዝርከባ ኤርትራን ጅቡቲን ናብ ቀጥታዊ ዘተን መስርሕ ሰላምን ንምስግጋርን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተወስደ ተበግሶ ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፣ ነቲ ጉዳይ ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ ከምዝጽንበሮ’ዩ ኮይኑ።

እንተኾነ እቲ ናይ ንጉስ ሳልማን ተበግሶ’ውን ንፕረዚደንታት ኤርትራን ጅቡትን ብኣካል ካብ ምርኻብ ሓሊፉ፣ ዘይተፈትሐ ጉዳያት ክልትኤን ሃገራት መዕለቢ ኣብ ምርካብ ክሰልጦ ከምዘይክኣለ ዲኢፕሎማሰኛታት የረድኡ።

ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ፈረንሳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካየደ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኢማኑዌል ማክሮን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ፈረንሳ ምስ ጅቡቲ ብዘለዋ ታሪኻዊ ምትእስሳር ምስ ኤርትራ ንዘለዋ ምስሕሓብ ኣብ ምፍታሕ እጃሙ ከበርክት ከምዝሓተተ ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ማክሮን ብወገኑ፣ ኣብ ቀረባ ምስ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ብምርኻብ ክዘራረብ ምዃኑ ቃል ከምዝኣተወ፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሱ’ዩ።

ጅቡቲ፣ ኣብቲ ኣብ ግንቦት 2008 ኣብ ከባቢ ራስ ዱሜራ ዝተኻየደ ኵናት ብኤርትራ ዝተማረኹ ወትሃደራታ፣ ሃለዋቶም ክሳብ እትፈልጥን ዶባዊ ምስሕሓብ ብሰለማዊ መንገዲ ክሳብ ዝፍታሕን ምስ ኤርትራ ዝምድና ንኸይትምስርት መርገጺ ሒዛ ምህላዋ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

ብዛዕባ’ቲ ምስ ጅቡቲ ዘሎ ምስሕሓብ ዝርዝራዊ መግለጺ ካብ ምሃብ፣ ነዚ ዝሓለፈ ትሽዓተ ዓመታት ተቖጢቡ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ኣርባዕተ ጁቡታውያን ምሩዃት ኵናት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 2015 ከረክብ እንከሎ፣ መንግስቲ ጅቡቲ ግና ሃለዋት ናይ 12 ወትሃደራቱ ገና ከምዘይተሓበሮ’ዩ ዝወቅስ።

ንሸሞንተ ዓመታት መንጎኝነት ቀጠር ሰለይ ዝበለ መስርሕ ሰላምን ዕርቕን ኤርትራን ጅቡቲን፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ሃገራዊ ወሽመጥ ዓረብ ዝተራእከ ምክፍፋል፣ ክልትኤን ሃገራት ምስ ስዑዲ ዓረብ ብምውጋነን፣ ቀጠር ነቲ መስርሕ፣ ዝሓለፈ ዓመት ደው ከምዘበለቶ ኣይርሳዕን።

======================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0