ኢትዮጵያ፡ ”ካብ 10 ቤት ማእሰርታት ዝሃደሙ እሱራት፣ ደኩመንታት ናይቲ ቤት ማእሰርታት ስለዝዓነወ፣ ምርካቦም ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኮይኑ ኣሎ” መ.ኢትዮጵያ

Radio Erena: 14 February 2021

ልዕሊ 3 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ምስተወለዐ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብምፍራሱ፣ ኣብ ሓያሎ ቤት ማእሰርታት ዝነበሩ ገበነኛታት ዛጊት ክርከቡ ከምዘይከኣሉ ተገሊጹ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ 10 ቤት ማእሰርታት ተቐዪዶም ዝነበሩ እሱራት ምህዳሞም ጥራይ ከይኣክል፣ ደኩመንታት ናይቲ ቤት ማእሰርታት እውን ኮነ ኢልካ ከምዝዓኑ ስለዝተገብረ፣ ነቶም ገበነኛታት ምቕራም ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኮይኑ ኣሎ ኢሉ።
እቲ ኮሚሽን ካብ 10 ክሳብ 23 ጥሪ 2021 ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፣ እቶም እሱራት ዝነበሩ ናብ ኩሉ ኩርናዓት እቲ ዞባ ፋሕ ብምባሎም፣ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ስርቂ፣ ዝምታ፣ ጾታዊ ዓመጽ ዝኣመሰሉ ገበናት ክብ ከምዝብል ካብ ዝገበሩ ምኽንያታት ሓደ ምዃኑ ገሊጹ።
ብዘይካ’ቲ ኣብ ትግራይ፤ ናብ ምሉእ ኲናት ዓሪጉ ዘሎ ግርጭት፣ ኣብ ካልእ ዞባታት ኢትዮጵያ’ውን ዓሌት ዝመንቀሊኡ ግርጭታት እንዳዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ እዩ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝቐርብ ዘሎ ትንታነታት።
ምትእትታው መንግስቲ ኤርትራ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ መላእ’ቲ ዞባ ዝዓበየ ወጥሪ ከምዝሰፍን ገይሩ ከምዘሎ ይግለጽ።
ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሳምንታት ጥራይ 2 ግዜ ዘይወግዓዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱ ዝንገረሎም ሰበስልጣን ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዱዎ ዘተ፣ ነዚ ዛዕባ’ዚ ዘማእከለ ምንባሩ ምንጭታት ኤረና ይገልጹ።
ኣብቲ ርክብ፣ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዩጵያን ክልል ትግራይን ዝተኻየደ ኲናት ቀልጢፉ መዛዘሚ ዘይምርካቡ፣ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ሓገዝ ኣብ ምግባርን ጉዳይ ሱዳንን ብዝምልከት ከምዝዘተዩ ይሕበር ኣሎ።
ክቡራት ተኸታተልቲ፣ ነዚ ብሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብርጌደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝተመርሐን፣ ሓደ ሜጀርን ክልተ ብርጌደር ጀነራላትን ዝሓቖፈ ምስጢራዊ ዑደት ሰበስልጣን ኤርትራ ብዝምልከት፣ ዝተጻፈፈ ሓበሬታ ኣብ ዝረኸብናሉ ናባኹም ከነብሎ ምዃንና ኣቐዲምና ንሕብር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0