ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ከባቢታት ዶብ ዝርከብ መዓስከራት ምብጻሕ ኣካዪዱ

Radio Erena: 14 February 2021

ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢታት ዶብ ዝርከብ መዓስከራት ምብጻሕ ከምዘካየደ፣ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።
ሌተናል ጀነራል ያሲር ኣል-ዓጣ ነዚ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ፣ ብወገን ኢትዮጵያ ሰራዊት ዳግማይ ይተኣኻኸብ ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።
ብረቡዕ 10 ለካቲት፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ምልሻን፣ ሰራዊት ሱዳንን ኣብ ዝተኻየደ ውግእ፣ ሱዳን ዓወታት ተጎናጺፍና ምባላ ዝዝከር’ዩ።
ካብ ገዳርፍ ዝተመሓላለፈ ዜና ከምዘመልክቶ፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ውግእ፣ ሰራዊት ሱዳን፣ ብኢትዮጵያውያን ምልሻ ተታሒዙ ኔሩ ዝበልዎ፣ ልዕሊ 50 ሽሕ ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት ከምዘምለሱ ገሊጹ እዩ።
እቲ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ሱዳን ኣትዩ ዝበሃል ዘሎ ከባቢታት፣ ተወላዶ ኣምሓራ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ምልሻ ዓስኪሮምሉ ዝነበሩ ዞባ እዩ።
ሌተናል ጀነራል ያሲር ኣል-ዓጣ ንሰራዊት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እዚ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕብ ዘሎ ናይ ሕርሻን መገሃጫን መሬት፣ ብዝወደቐ ስርዓት ኣልበሽር ተረሲዑ ብምንባሩ ዝሰዓበ ጸገም እዩ ድሕሪ ምባል፣ እዚ ሓድሽ መንግስቲ ተመሳሳሊ ጌጋ ኣይፍጽምን እዩ ኢሉ።
ብኻልእ ወገን፣ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ንዶባዊ ግጭት ክልቲኤን ሃገራት ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ፣ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ሱዳን ሌተናል ጀነራል ሸምስ ኣዲን ቃባሺ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።
እቲ ኣባል ላዕለዋይ ቆንስል ሱዳን ምስ ቴሌቪዥን ኣል-ዓረቢያ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ንሰላም፣ ንኲናት ዝዕድም መግለጺታት ብምሃብ፣ ዘይዲፕሎማስያዊ ባህርያት ኣርእዩ ብምባል ከሲሱ።
ዶባዊ ወጥሪ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ጸጥታን ስለያን መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ሚስጢራዊ ኣኼባታት ይካየደሉ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0