ኢትዮጵያን ጅቡትን፣ ኣብ ጸጥታን ምክልኻልን ዝጀመርኦ ምትሕግጋዝ ብዝልዓለ ክደፍኣሉ ምዃነን ይገልጻ

ኢትዮጵያን ጅቡትን፣ ኣብ ጸጥታን ምክልኻልን ዝጀመርኦ ምትሕግጋዝ ብዝልዓለ ክደፍኣሉ ምዃነን ይገልጻ

Radio Erena: 25 July 2017

djoibouti

ኢትዮጵያን ጅቡትን፣ ኣብ ጸጥታን ምክልኻልን ብሓባር ክሰርሓ ዝኣተውኦ ስምምዕ ብዝልዓለ ክደፍኣሉ ምዃነን ተሓቢሩ።

እዚ ዝተሓበረ፣ ወከልቲ ክልትኤን ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ ካብ 2011 ኣትሒዙ ዝተኸተመ ሓባራዊ ናይ ጸጥታን ምክልኻልን ምትሕግጋዝ ስምምዕ ብዝምልከት ዓመታዊ ኣኼባ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢትዮጵያ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ መሰረት፣ ሓባራዊ ኮሚተ ምክልኻል ክልቲኤን ሃገራት ካብ ዓርቢ 21 ሓምለ ኣትሒዙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ኣብቲ ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣንን ሓለፍቲ ጸጥታን ክልትኤን ሃገራት ዘካየድዎ ርክብ፣ ኣብ ዶባቶም ንዘጋጥም ስግኣታት ብሓባር ንምምካት፣ ናይ ሓባራዊ ምክልኻል ዓቕሚ ዝዓብየሉ ተኽእሎታት’ውን ተዘራሪቦም።

ኣስታት 100 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ናይቲ ካብ ደገ እትሽምቶ ኣታዊታት ይኹን ናብ ውጻኢ ሃገራት እትልእኮ ነገራት ወደብ ጅቡቲ ትጥቀም ምህላዋ ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0