ኤርትራ ብደረጃ ሃገርን ብውልቂ ተቐዳደምቲን፣ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ቦታ ሒዛ

ኤርትራ ብደረጃ ሃገርን ብውልቂ ተቐዳደምቲን፣ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ቦታ ሒዛ

Radio Erena: 25 July 2017

Cycling

ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም (UCI) ኣብ ዝወጸ ደረጃታት ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ ብደረጃ ሃገርን ብውልቂ ተቐዳደምቲን ቀዳማይ ቦታ ሒዛ።

ብደረጃ ሃገር፡ 1,645 ነጥቢ ኣመዝጊባ ዘላ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ሞሮኮ ናይ 602 ገፊሕ ናይ ነጥቢ ጋግ ፈጢራ፡ ንመስርዕ ሃገራት ኣፍሪቓ ዝተቖጻጸረት ክትከውን ከላ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሩዋንዳ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣልጀርያ፡ ናሚብያ፡ ኣይቮሪኮስት፡ ቡርኪናፋሶን ቱኒዝያን ድማ፡ ካብ ሳልሳይ ክሳብ ዓስራይ ንዘሎ ደረጃ ተማሲሐንኦ ኣለዋ።

ብውልቂ’ውን፣ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ሜሮን ኣብርሃም፣ በቲ ማሕበር ኣብ ዝወጸ ደረጃታት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሻምፕዮን ውድድር ጽርግያ ኤርትራ ብምዃን፡ ጋማ ዓወት ዝኣሰረ፡ ተቐዳዳማይ ክለብ ኤሪ ቴል፡ ሜሮን ኣብርሃም (ሸቃ) ነዚ ክብሪ’ዚ ዝበቕዐ፣ ንደቡብ ኣፍሪቃዊ ዊለም ጃኩብስ ስሚትን ሞሮካዊ ኣሕመድ ኣሚን ጋልዶውንን ብምብላጽ’ዩ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ካብ ስሚት ብ29 ነጥቢ ድሒሩ፡ ብ251 ነጥቢ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ ዝነበረ ሜሮን፡ ኣብ’ዚ እዋን ነጥቡ ናብ 344 ክብ ኣቢሉ፡ ኣብ ልዕሊ ስሚት ናይ 64 ነጥቢ ፍልልይ ኣንጺፉ ይርከብ።

ብዘይካ ሜሮን ኣብርሃም፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ሜሮን ተሾመ ካብ ጀርመናዊት ክለብ ባይክ አይድ ብ247 ነጥቢ ራብዓይ፡ ዘመንፈስ ሰለሙን ካብ ክለብ ኤሪ ቴል ብ175 ነጥቢ ሓሙሻይ፡ ተስፎም ዑቕባማርያም ካብ ጃፓናዊት ክለብ ኢንተርፕሮ ብ160 ነጥቢ ሻብዓይ፡ ዓወት ሃብቶም ካብ ጀርመናዊት ክለብ ባይክ-አይድ ብ148 ነጥቢ፡ ታሽዓይ ተርታ ብምሓዝ፡ ምስ ቀዳሞት 10 ተቐዳደምቲ ተሰሪዖም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ እትርከብ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ስደተኛታት ኤርትራ፣ ጽቡቕ ንጥፈታት ተሰላስል እኳ እንተላ፣ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ቅድድማት ንምስታፍ ፍቓድ ክወሃባ ትሓትት።

ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ – AFP ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ሓደ ካብ ሓያላት ተቐዳደምቲ ዝኾነ ዳኒኤል ተኽላይ ዝሓቖፈት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ቅድድማት ንምስታፍ እትሓቶ ዘላ ፍቓድ፣ ፊናንስያዊ ሓገዝ ከበርክቱላ ዝኽእሉ ኣካላት’ውን ተናዲ ኣላ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0