ፕረዚደንት ቱርኪ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝተኸስተ ምስሕሓብ ንምሽምጋል ዑደት የካይድ

ፕረዚደንት ቱርኪ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝተኸስተ ምስሕሓብ ንምሽምጋል ዑደት የካይድ

Radio Erena: 25 July 2017

turkey

ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝተኸስተ ምስሕሓብ ንምሽምጋል ናብተን ሃገራት ዑደት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

እቲ ፕረዚደንት ዑደቱ ብስዑዲ ዓረብ ንምጅማር ብቅድሚ ትማሊ ናብ ከተማ ጀዳ ድሕሪ ምእታው ምስ ንጉስ ሳልማንን ወዱ ወራስ ዓራትን ሚኒስተር ምልኻልን መሓመድ ቢን ሳልማንን ብምርኻብ ተመያይጡ።

ዝርዝር ናይቲ መራሕቲ ቱርክን ስዑዲ ዓረብን ዘካየድዎ ዝርርብ ኣይተሓበረን።

ፕረዚደንት ኤርዶጋን ድሕሪ’ቲ ምስ መራሕቲ ስዑዲ ዓረብ ምዝርራቡ ናብታ ናይ ሽምግልናን ዕርቅን መርገጺ ዝሓዘት ኩዌት ኣምሪሑ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ መወዳእታ ናብ ቀጠር ብምምራሕ ምስ መራሕቲ እታ ሃገር’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ክዝቲ’ዩ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት፣ ባሕሬይንን ግብጽን ኣንጻር ቀጠር ዝቐንዐ ዘመተ ድሕሪ ምጅማረን፣ ቱርኪ፣ ኩዌይትን ሱዳንን ከኣ ናይ ዝኾነ ይኹን ጸግዒ ከይሓዛ፣ እቲ ምስሕሓብ ብሽምግልናን ዕርቂን ክፍታሕ ከምዝጸውዓ ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0