ኢትዮጵያን ሩስያን፣ ስምምዕ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ

ኢትዮጵያን ሩስያን፣ ስምምዕ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ

Radio Erena : 22 September 2014

ethio Rus

ኢትዮጵያን ሩስያን ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ክትሓጋገዛ ተሰማሚዐን።

እዚ ስምምዕ ዝተበጽሐ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደ መዕእልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸመሉ’ዩ።

ሩስያ ብዘይካ ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ልምዓት መደባት’ውን ወፍሪ ንምክያድ ድሌት ከምዘለዋ’ያ ትገልጽ።

እዚ ስምምዕ፣ ነታ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ እዋን ምትእትታው ዝነበራ ሩስያ፣ ነቲ ብቻይናን ሃገራት ምዕራብን ተባሒቱ ዝርከብ ወፍሪ ዕደና፣ ንግዲ፣ ቁጠባን ዲፕሎማስያዊ ጽልዋታትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግም ትምለሶ ምህላዋ ዝእንፍት’ዩ ክብሉ’ውን ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጽዎ።

 

ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 30 ዝኾና ኩባንያታት ሩስያ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ወፍሪ ኣብ ምክያድ ከምዝርከባ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ይገልጻ።

ሩስያ ብዘይካ ምስ ኢትዮጵያ፣ ምስ ኤርትራ’ውን ኣብ ዕደናን ካልእ ወትሃደራዊ ጉዳያትን ዘተኮረ ስምምዓት ከምዘካየደት ዝዝከር’ዩ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክልተ ግዜ ናብ ሩስያ ዑደት ብምክያድ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሰርጌ ላቭሮቭን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ዝርርብ ምክያዱ ኣይርሳዕን።

ብጉዳይ ዩክሬን፣ ምስ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ፖለቲካዊ ቁርቁስ እትርከብ ሩስያ፣ ብዘይካ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጅቡትን ሱዳንን’ውን ተመሳሳሊ ውዕላት ንምክያድ መደብ ከምዘለዋ’ዩ ዝንገር።

መብዛሕቱ ወትሃደራዊ ንዋት እዘን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ብፍላይ ድማ ሓይሊ ኣየርን፣ ካብ ሩስያ ዝተሸመተ ምስ ምዃኑ’ውን፣ ወትሃደራዊ ሓይለን ንምድልዳል ኣብ ዝደልያሉ እዋን፣ እቲ ምስሩስያ ዘለወን ርክብ ከሐድሳ’የን ዝርኣያ።

ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ፣ ካብ ሩስያ ብልቓሕ ዝሸመተቱ ኣጽዋር፣ ቢልዮናት ዶላራት ዕዳ ዝጸንሓ ክኸውን እንከሎ፣ ኤርትራ’ውን ኣብቲ ዳግም ስም ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኵናት፣ ሚግ 29ን ሱ ኸይ 27ን ዝዓይነተን ዘመናውይን ነፈርቲ ኵናትን ጸረ ነፈርቲ ሚሳይላትን ካብ ሩስያ ከምዝዓደገትን’ዩ ዝግለጽ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0