ሰንዓ፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ተቓወምቲ ኣመንቲ ሺዓ- ሁቲ

ሰንዓ፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ተቓወምቲ ኣመንቲ ሺዓ- ሁቲ

Radio Erena : 22 September 2014

Yemen SenA

ተቓወምቲ ሺዓ ናይ ሁቲ፣ ኣብ ከተማ ሰንዓ ንዝርከብ ቤት መንግስቲ ድሕሪ ምቑጽጻሮም ሓድሽ ስምምዕ ሰላም ተኸቲሙ።

እቲ ብመንጎኝነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ብፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ዝምራሕ መንግስቲ፣ ካብ መራሕቲ ተቓወምቲ ሁቲ’ውን ዝርከብዎ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውን ዝፈቕድ’ዩ።

ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ኣመንቲ ሺዓ ናይ ሁቲን ብመንግስቲ ዝድገፉ ኣመንቲ ሱናን ክካየድ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ከባቢ ሰንዓ ግጭት ክካየድ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቶ ተቓወምቲ ብሰነብት ነታ ከተማ ከምዝተቖጻጸርዋ’ዩ ተሓቢሩ።

 

ኣብቲ ብ21 መስከረም ዝተኻየደ ስምምዕ፣ ወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲን መራሕቲ ተቓወምቲ ሁቲን ክርከቡ እንከለዉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር መሓመድ በሲንዳዋ ከኣ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሓዲ እቲ ስምምዕ ንጸገም እታ ሃገር ነባሪ ፍታሕ ዘምጽእ’ዩ ክብል እኳ እንተገለጾ፣ የመን ኣብ ዝበኣሰ ግጭት ኣመንቲ ሺዓን ሱናን ከይትሽመም ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ የመን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ንፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ የመን ኣብ ኤርትራ መሓማድ ዓሊ ጃይፍ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምዕዳም ከምዘዘራረቦ ዝዝከር’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ብፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ዝምራሕ መንግስቲ ዘለዎ ደገፍ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ ከኣ፣ ተቓወምቲ ኣመንቲ ሺዓ ናይ ሁኢቲ ኣብ ሰንዓ ንዝርከብ ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ዝተቖጻጸሩ።

=======================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0