ምስጋና ንመንእሰያት ህግደፍ

ምስጋና ንመንእሰያት ህግደፍ

Radio Erena: 22 September, 2014

Ghirmai Abraham

ንእሰያት ህግደፍ፣ ኣብ ኣብ ግንባራት ኤርትራ ንዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት በጺሖም፣ ድራር ጋቢዞም፣ ኣዘናጊዖም፣ ኣብ ሳዋ ፈስቲቫል ኣካይዶም ዝብሉ ንጥፈታት እናሻዕ ዝተደጋገመና ዜና’ዩ። መብዛሕቶም ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ብዝዓበዩ መንእሰያት ዝቖመ ምስ ምዃኑ፣ ካብቲ ብካድራት ህግደፍ ዝወሃቦም ኣስተምህሮን ፕሮፖጋንዳን ወጻኢ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ዘለዎም ኣፍልጦ ዕምቆት ክህልዎ ሳላ ዘይክኣለ ንዘለዎ ረብሓ ከኣ’የ ምስግና ክልግስ ኣርእስቲ ኣልዒለ ዘለኹ። መንእሰያት ህግደፍ እንታይ ዝምስገን ተረኺብሎም ደኣ፣ ኣብዛ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ደው ዝበለት ሬድዮ ክሳብ ምምስጋን ዘድለየ? ንዓይ’ውን ዘይገረመኒ ኣይኮነን።

        ናይ ሳትላይት ሬድዮታት ዘይነበረሉ፣ ሬድዮ ወጋሕታ ብሓጺር ማዕበል ናብ ኤርትራ ኣብ እትፍንወሉ ዝነበረ ግዜ’ዩ። ሓደ ረፋድ፣ ምክትል ሚኒስተር ዜና ነበር ሎሚ ስደተኛት ኣቶ ዓሊ ዓብዱ

ናብቲ ብኣህዱ ምክትታል ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፍለጥ ክፍሊ ኣገልግሎታት ወጻኢ፣ ብኣካል ተረኺቡ፣ ሎሚ ንግሆ ሬድዮ ወጋሕታ ዝፈነወቶ ትሕዝቶ ብምሉኡ ክርከቦ ሓቲቱ። ቅድሚ’ዚ እዋን’ዚ ኣብዛ ክፍሊ ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ሬድዮታትን ቴሌቪዥንን ብቋንቋታት ዓፈር፣ ኦሮሞ፣ ኣምሓርኛ፣ ትግርኛን ዓረብን ንዝፈነውኦ ሓበሬታታት ተኣኻኺቡ፣ ከከም ኣድላይነቱ ተተርጉሙን ተሰሪዑን ኣርእስቲ ተዋሂብዎን፣ ብዝቀልጠፈ ናብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር፣ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ሃገራዊ ድሕነት’ዩ ዝልኣኽ። ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን፣ መብዛሕትኡ እዋን፣ ብሞተር ሳይክል ብዝልእክዎ ኣባሎም ኣቢሎም ክርከብዎ’ዩ ዝቐሎም። ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከኣ ዝበዝሐ እዋን ብፋክስ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ይልኣኽ። ኣድላዩ ሓበሬታ ኣሎ እንተተባህለ’ውን ክሳብ ብቴሌፎን ብህጹጽ ዝሕበረሉ እዋናት ኔሩ’ዩ።

        ኣብ ኣሃዱ ምክትታል ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ ምኩር ጋዜጠኛ ጌታቸው ኣስፈሃ፣ ሓላፊኣ’ውን’ዩ። እታ ኣሃዱ ኣብ ርእሲ ምክትታል ናብ ንፕሮፖጋንዳን ዝኸውን ዜናን ሓበሬታን ምምስራሕ ተወሳኺ ዕማም ኣብ ዝተዋህባ እዋን፣ ነዛ ኣሃዱ ብሓላፍነት ክመርሕ፣ ንምኩር ጋዝኤጠኛ ጌታቸው ኣስፍሃ ክትክእ ኣብ ዝተኣዘዝክሉ ሒደት ሳምንታት ከኣ’ዩ ኣብታ ኣሃዱ ተረኺቡ ኣብ ሬድዮ ወጋሕታ ዝተፈነወ ሓበሬታ ብምሉእ ክወሃቦ ዕቡይ ትእዛዝ ሃበ ኣቶ ዓሊ። ተረኛ ምክትታል ጋዜጠኛ ጌታቸው ኣስፍሃ ከኣ፣ ሬድዮ ወጋሕታ ፈነወ ድኹም ስለዘሎ ንምክትታል ኣጸጊሙ ምህላዉ ይሕብር። ብንጹር ክስማዕ ዘይክኣለሉ ምኽንያት እናሓተተ፣ ንሱ ግና ኣብ መኪንኡ ብንጹር ክከታተሎ ምኽኣሉ ብታህዲድ ገለጸ ኣቶ ዓሊ።

        ኣብቲ እዋን’ቲ ምክትል ዳይረክተር ኒውስሩም ነበረ ናይ ሎሚ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣቶ ሳምሶን ሃይለን ኣነን ኣብ ዝነበርናሉ፣ ክፍሊ መጺኡ ከኣ፣ ሬድዮ ወጋሕታ ብንጹር ዘይትስምዓሉ ዘላ ምኽንያት እንደገና ሓተተ። ክፍሊ ሬድዮ ኣብ ኣቑሑት ምቅይያር ብፍላይ ከኣ ምትካል ናይ መዐፈኒ (ጃሚንግ) መሳርሒታት ተጸሚዱ ስለዝነበረ፣ ቴክኒሻናት ምትሕንፋጽ ኣንቴና ዝፈጠሮ ክኸውን ከምዝኽእል ኣቐዲሞም ሓበሬታ ስለዝሃቡና፣ እታ ዝተዋህበትና ሓበሬታ ንዓሊ ደገምናሉ።

        ጸርጸር እናበለ ከኣ ኣብ እግሪ’ቲ ኣስካላ መእተዊ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዘሎ ቀጽሪ በይና እትብል ጻዕዳ ኮሮላ ዝዓይነታ መኪናኡ ኣመርሐ። በይኑ ግን ኣይነበረን። ክንስዕቦ ስለዝኣዘዘ እግሪ እግሩ ተኸተልና። ማዕጾ መኪና ከፊቱ ከኣ መፍትሕ ሞተር ሰዅዐ። እንታይ ክግበር ከምዝደለየ ኣይሰሓትናዮን። ማዕበል እናቀያየረ ከኣ ሬድዮ ወጋሕታ ኣስማዓና። ሓንቲ ካብ ናይ ቀደም ደርፊ በረኸት መንግስትኣብ ነበረት። ብንጹር ይስማዕ። ኣብ መኪና ከምዚ ንጻረ እንሃለዎ፣ ኣብቲ ንመከታተሊ ተባሂሉ ዝተዳለወ ክፍሊ ብንጹር ክስማዕ ዘይክኣለሉ ምኽንያት ሕጂ’ውን ዕሚም ኣይቋረጸን።

     “ተካሊት ሬድዮ ካብቲ መከታተሊ ክፍሊ ሲ መኪና ዓሊ ዓብዱ መሪጽኪ።” ብውሽጠይ ተራገምኩ።

      ክንገብሮ ንኽእል ግና ኣይነበረን። ሕጂ’ውን ቴክኒሻናት ምውካስ’ዩ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተደልየ ሓበሬታ ብኣግኡ ክርከብ ኣብ ዘይክእለሉ ግዜ ዓሊ ዘርእዮ ምንጽርጻራት ብቀሊሊ ካብ ዝልለ ባህርያቱ ነበረ።

        “ኣብዛ ረፋድ’ዚኣ ኮን እንታይ ፍሉይ ሓበሬታ ፈንዮም ይኾኑ።”

        ምስ ሳምሶን ናብ ቤት ጽሕፈትና እናተመለስና ብዛዕባ’ታ ሬድዮ ካብ ምዕላል ኣየቋረጽናን። ዓሊ ድሮ መኪንኡ ንግዳም ኣንፈት ኣቕኒዑ ተመርቒፉ’ዩ።

        ሬድዮ ወጋሕታ ብንጹር ትሰማዕ ኣይትሰማዕ፣ ንሓያሎ ኣባላት ሚኒስትሬ ዜና፣ ሬድዮ ባናን ስነጥበበኛታትን ግዳይ ምግባራ ግን ኣይተረፈን። ኣብ ሓደ ካልእ ረፋድ’ውን ዘዝተመርጹ ኣባላት ዜና ናብ ቤት ማእሰርቲ ንመርመራ ተወስዱ። ሓደ ካብኣቶም ከኣ ሓላፊ ናይታ ሬድዮ ወጋሕታ እትርከበን ሓያሎ ካልኦት ሬድዮታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ እትከታተል ኣሃዱ ጋዜጠኛ ጌታቸው ኣስፈሃ ነበረ። ከከም ዝወሰደሎም ናይ ግዜ መርመራ ከኣ ኣብ ውሽጢ 2 ክሳብ 5 ወርሒ በብሓደ ተለቑ።

        ከም እንደገና’ውን ኣብ 2009 ምስ ሬድዮ ወጋሕታ ምትእስሳር ኣለኩም ዝተባህሉ ሓያሎ ጋዜጠኛታትን ገጠምትን ስነጥበባውያንን በብሓደ ተለቒዕሞ፣ ፈለማ ዓዲ ኣቤቶ ደሓር ከኣ ናብ ማይ ስርዋ ገዓዙ። ሓደ ካብኣቶ ከኣ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ብጋዜጠኝነት ዝተመረቀ፣ ንሓያሎ ደረፍቲ ግጥምታት ዝዓደለ፣ ገጣማይን ጋዜጠኛን ግርማይ ኣብርሃም ይርከቦም።

        ግርማይ ኣብርሃም፣ ምስ ስነጥበብ ዝነበሮ ፍቕሪ ብቀረባ’የ ዝፈልጥ።  ኣብ ክፍሊ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ ብሓንሳብ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፣ ኣዳላዊ መደብ ስነጥበብ ክኸውን ብገዛእ ፍቓዱ ከምዝመረጸ ኣይርስዖን። ግርማይ ኣብራሃም ስነጥበባዊን ስለዝኾነ ስነጥበባውያን ኣመና’ዩ ዘድንቕ። ግጥምታትን ዜማን ኣብርሃም ኣፈወርቂ ወትሩ ካብ ከባቢ ኣፉ ኣይርሕቁን’ዮም። ‘መለይ’ እትብል ደርፊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ፣ ትንተና ክህበላ ሰሚዐዮ ኣለኹ።

        “ግርማይ ፍላስፋ’ዩ። ብስነጥበብ ዝተመሰጠ ፍላስፋ።”

        መደምደምታ ገበርክሉ። 

        ሞት ኣብርሃም ኣፈወርዊ ከም ንኹሉ ኤርትራዊ ኣዝዩ ኣጉሁዎ’ዩ ንግርማይ።  ደርፍን ደረፍትን ልዕሊ ባንን ቕጫን ኣብ ዝበዝሓ ሃገር፣ ሞት ኣብርሃም እንታይ ጽልዋ ከየምጽእ ዝነበሉ ኣይተሳእኑን። ግርማይ ግና ሞት ኣብርሃም፣ ኣብ ስነ ሙዚቃ ሃገርና ዓቢ ሃጓፍ ከምዝፈጥር ብዘእምን ቃላት’ዩ ዝገልጾ።

ሰሙናዊ፣ ነፍሲ ወከፍ ሓሙስ ኣብ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ ዘዳልዋ ዝነበረ መደብ ስነጥበብ’ውን ብኣጋጣሚ ሞት ኣብርሃም ኣፈወርቂ፣ ፍሉይ መደብ ኣዳላወ። ህዝቢ ኤርትራ ብሞት ኣብርሃም ኣፈወርቂ ሰምቢድሉ ዝነበረ ግዜ ምስ ምዃኑ እቲ መደብ እዋናውን ኣስሓት ሰማዕቲ ዝስሕብ ከምዝኸውን ዘማትእ የብሉን። ተረኛ ዜናን ኣወሃሃዲ ናይቲ ሰዓት መደብን ጋዜጠኛ ገብረመስቀል ገረዝግሄር ነበረ። ዜና ተነቢቡ መደብ ስነጥባብ እናሰዓበ ከኣ፣ ቴሌፎን ካብ ግዳም ይድወል። ዓሊ ዓብዱ ነበረ። እቲ ዝፍኖ ዘሎ ናይ ኣብርሃም ኣፈወርቂ መደብ ከኣ ብዘይዝኾነ ተወሳኺ መግለጺ ደው ክብል ኣዘዘ። ጋዜጠኛ ገረመስቀል ምስ ተረኛ ቴክኒሻን ኤደን፣ ንትእዛዝ ዓሊ ንምትግባር ፈወነ ኣብ መንጎ ብምቑራጽ መሰጋገሪ ሙዚቃ ሰኩዑ። ብኸምኡ ከኣ ናብ ካልእ መደብ ሰገሩ። ሰማዒ ናይ ኣብራሃም ታሪኽ ህወይትን ካልእን ዘዘንቱ መደብ ስነ ጥበብ ብሃንደበት ደው ምባሉ ዝተዋህበሉ ወግዓዊ ምኽንያት እኳ እንተዘይነበረ፣ ምስቲ ሞት ኣብራሃም ኢድ መንግስቲ ኣለዎ ተባሂሉ ዝጋዋሕ ዝነበረ ወረ ምትሕሓዝ ክህልዎ ከምዝኽእል ዘተኣሳሰርዎ ኣይተሳእኑን።

        ጋዜጠኛታት ሬድዮ ዛራ ሓላፊ ሰለሙን ኣበራ፣ ጴጥሮስ መንግስን ኣነን ምስ ኣባላት ክፍሊ ሙዚቃ ዳረት ዮሴፍን ለምለምን፣ ደርፍታት ኣብራሃም ከይኣቱ ዝብል ዘይወግዓዊ ትእዛዝ ኣቐዲሙ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ሞት ኣብርሃም ኣፈወርቂ ተዋሂቡና ምንባሩ ዘከርኩ። ሽዑ ዝተዋህቦ ምኽንያት ከኣ ደርፍታት ኣብርሃም ይበዝሕ ኣሎ’ሞ ምዝናቕ መታን ክትገብሩ ዝብል ነበረ። ሓደ ሓደ እዋን፣ ሓበሬታ ጥራይ ዘይኮነ ደርፍታት’ውን ከይፍኖ ዝኽልከለሉ ግዜ ኔሩ’ዩ። ክድረፍ ዝጸንሐ ደርፍታት ሃንደበት ናይዚ ደረፋይ እዚ ደርፊ ከይትጥቀሙ ዝብል ትእዛዝ እናሻዕ ስለዝደጋገም፣ ናይ ኣብራሃም’ውን ካብዚ ፈሊና ኣይርኣናዮን። ድሕሪ ሞቱ ግና፣ ብግርማይ ኣብራሃም ዝተዳለወ ናይ ፍርቂ ሰዓት መደብ ኣብ መንጎ ፈነወ ክቋረጽ ክሳብ ካብ ደገ ኮይኑ ዓሊ ብቴሌፎን ምእዛዙ ኣይ ናይ ነገር ደሓንን።

ኣብርሃም ግና ክንዮ ዓቕሚ ድምጺ ሓፋሽን ሬድዮ ዛራን ንቕድሚት ተሓንቢቡ ስለዝነበረ፣ ኣስመራ ኣብ ሓደ ምሸት ብምሉእ ባራትን ክለባትን ደርፍታት ኣብርሃም ኣፈወርቂ ጥራይ ክውላዕ ተሰማምዓ። ዘገረመኒ ውህደት ነበረ። እዚ ህዝቢ’ዚ ኣብ ካልእ ጉዳያት’ውን ከምዚ ዓይነት ውህደት እንተፈጢሩ፣ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዝብል ሓይሊ ከምዘይህሉ ተስፋ ሃበኒ። ተስፋ’ዩ ስንቀይ።

        ጋዜጠኛን ገጣምንን ግርማይ ኣብርሃም፣ ዓርቢ ኣንጊሁ ናብ ስራሕ ብዝወፈረ ከኣ፣ ብቀጥታ ንመደስከሊ ኣባላት ዜና ዝጥቀሙላ ናብ ዝነበሩ ብጳውሎስ ገብረማርያም (ቡንዲ) እትምራሕ ኣሃዱ ምክትታል ብቕዓት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ከምዝተወዝዐ ተሓበሮ። ግርማይ ኣይሰሓቶን ኩሉ ሰብ’ውን ኣይሰሓቶን።

ግርማይ ብስነጥበብ ከሕልፎ ዝኽእል መልእኽቲ የስግእ’ዩ ተባሂሉ ካብ ዝጥመቱ ኣባላት እንዳ ዜና ቀንዲ ኮነ። ናይ ቀረባ የዕሩኽቱን ኣብ ስነጥበባ መጓጅምቱን ጋዜጠኛታት ምሉእ ብርሃን ሃብተገብርኤልን ኢሳቕ ኣብርሃምን’ውን ማዕሪኡ። እቲ ስግኣት ኣብ ካልእ ሚኒስትርታት ናብ ዝርከቡ ናይ ጥበብ መዛንኦም’ውን ሰፍሐ። መለስ ንጉሰን ይርግኣለም ፍስሃን ዝርከብዎም ሓያሎ ኣባላት ሬድዮ ባናን ካልኦት ገጠምንትን’ውን ኣብዛ ዓንኬል’ዚኣ ኣተዉ። ኣብ 22 ለካቲት 2009 ከኣ በብዝወጽዎ ተታሒዞም ኣብ ማይ ስርዋ ተሓየሩ።

ምሉእ ብርሃን ሃብተገብርኤልን ኢሳቕ ኣብርሃምን ዝርከብዎም ሓያሎ ካብቶም እሱራት ኣብ 2013 ብዋሕስን ከቢድ መጠንቐቕታን ክወጹ እንከለዉ። ግርማይ ኣብራሃም፣ መለስ ንጉሰን ይርግኣለም ፍስሃ፣ ደራስን ጋዜጠኛን በረኸት ምስግና፣ ጴጥሮስ ተፈርን ባሲሎስ ዘሞን ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ማሕዩር ይርከቡ።

        በየነ ሃይለ፣ ብፍልስፍና ‘ድኳን ተበርህ’ን ‘ትጽቢት ባህጉ’ን ንሰብ ጥበብን ኣንበብትን ኤርትራ ዘዕበደ ደራሲ’ዩ። ‘ወግዒ ልቢ’ ውን ሓንቲ ካብ ሓጸርቲ ናይ መድረኽ ድራማታቱ ኮይና፣ ክዕዘባ ዕድል ዘይረኸብኩላ’ያ። ሳላ ቴክኖሎጂ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣብ ዩቱብ ክርእያ ምኽኣለይ ኣዝዩ ባህ በለኒ። ንደራሲ በየነ ሃይለ ዘሎኒ ፍልጠት ብሓደ ደረጃ ዝወሰኸ ኮይኑ ተሰምዓኒ።

        ” ’ወግዒ ልቢ’ ኣብ ዩቱብ መን የእትዋ?”  ቀልበይ ሰሓበ።

YPFDJ ማለት መንእሰያት ህግደፍ ዝብል ኣንበብኩ። መንእሰያት ህግደፍ ካብቲ ብካድራት ህግደፍ ዝወሃቦም ኣስተምህሮን ፕሮፖጋንዳን ወጻኢ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ዘለዎም ኣፍልጦ ዕምቆት ክህልዎ ሳላ ዘይክኣለ ንዘለዎ ረብሓ ከኣ ኣመስገንኩ። ደራሲ በየነ ሃይለን ገጣሚ በየነ ሃይለማርያምን ክፈላልዩዎም ዘይምኽኣሎ ንባዕሉ ነዚ ዝብሎ ዘለኹ ዘራጉደለይ ኮይኑ ረኺበዮ።

‘ወግዒ ልቢ’ ምስ ‘ከም ቆሎ ማሸላ’ ዝሓዋወሱ ወለዶ’ዮም መንእሰያት ህግደፍ።

        መንእሰያት ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ፣ ሽማግለታት ህግደፍ፣ ኣብ ምዝርጋሕ ኣሳእል ጥንቃቐታት ክገብሩ ሓደ ካብቲ ብካድራት ዝወሃቦም ኣስተምህሮ’ዩ። እዚ ኣስተምህሮ እዚ ንናይ ስእሊ ኢዲተራት ሚኒስተሪ ዜና ኣውራ’ዩ ዘገድስ። በብግዜኡ ናይ ዝተኣስሩ ሰበ ስልጣን ነበርን ጋዜጠኛታታትን ኣሳእል እናተቖርመመ፣ ኤሪ ቲቪ እናሻዕ ዝተቖራመመ ታሪኽ ሒዛትልና ክትቐርብ ንዕዘቦ ኣሎና።

        መንእሰያት ህግደፍ ካብቲ ብካድራት ህግደፍ ዝወሃቦም ኣስተምህሮን ፕሮፖጋንዳን ወጻኢ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ዘለዎም ኣፍልጦ ዕምቆት ክህልዎ ሳላ ዘይክኣለ ግን ነዚ ብጽፈት ከተግብሩ ኣይክኣሉን። እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብዘይፍላጥ ከኣ ናይ መድረኽ ድራማ ‘ወግዒ ልቢ’ ኣብ ዩቱብ ብምፍናዎም፣ ካብ ዝእሰር ሽዱሽተ ዓመቱ ንዝቃረብ ዘሎ ጋዜጠኛን ስነጥበባውን ግርማይ ኣብርሃም ክንርዮ ጌሮሙና ኣለዉ’ሞ ምስጋና ንመንእሰያት ህግደፍ።

 

ኣማኑኤል ግርማይ

(ዕባይ ኣኽርያ ካብ ጀርመን)

22 መስከረም 2014

COMMENTS

WORDPRESS: 0