ኢራን ብመንገዲ ክሊ ማያት ኤርትራን ሱዳንን፣ ንየመናውያን ኣመንቲ ሺዓ ከምእትድግፍ የመን ትኸስስ

ኢራን ብመንገዲ ክሊ ማያት ኤርትራን ሱዳንን፣ ንየመናውያን ኣመንቲ ሺዓ ከምእትድግፍ የመን ትኸስስ

Radio Erena: April 1, 2014

Iran warship

ኢራን ኣብ ደቡብ የመን ዝንቐሳቐሱ ዕጡቓት ምድጋፍ ከተቛርጽ ፕረዚደንት የመን ዓብደሮቦ መንሱር ሓዲ ጸዊዑ።

እቲ ፕረዚደንት ንጋዜጣ ኣል ሓያት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ መንግስቲ የመን ምስ ኩሎም ተቓወምቲ ብምዝርራብ ንጸገማት እታ ሃገር ንምፋታሕ ጻዕርታት የካይድ እኳ እንተሎ፣ ኢራን ግና ምትእትታው እናቐጸለት ርግኣት የመን ንምዝራግ ትሰርሕ ኣላ ክብል ወቒሱ።

ኢራን ንዕጡቓት ደቡብ የመን ብመንገዲ ቀይሕ ባሕሪ ወትሃደራውን ሎጂስቲካውን ሓገዝ ከምተበጽጽሓሎም’ውን መንግስቲ ሰንዓ ብተደጋጋሚ እዋን ክኸስስ ጸኒሑ’ዩ።

 

መንግስትን ሓያሎ ተቓወምትን የመን፣ እታ ሃገር ኣብ ሽዱሽተ ዞባታት ተመቓቒላ ብፈደራላዊ ስርዓት ክትመሓደር ኣብ ስምምዕ እኳ እንተተበጽሑ፣ ኣብ ደቡብ ዝርከቡ ኣመንቲ ሺዓ ዝኾኑ ተቓወምቲ ግና እቲ ዞባ ካብ የመን ከይተነጸለ ዕጥቖም ከምዘየውርዱ ይገልጹ።

ብኣመንቲ ሺዓ ዝተኦኣብለለት ኢራን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ ድማ ኣብ ክሊ ማያት ኤርትራን ሱዳንን እተርእዮ ዘሎ ወትሃደራውያን ስለያውን ምንቕስቓሳት፣ ስዑዲ ዓረብ፣ የመን፣ እስራኤልን ኣመሪካን ብዕቱብ’የን ዝክትተልኦ።

=======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0