ኤርትራ ካብ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2015 ስሒባ

ኤርትራ ካብ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2015 ስሒባ

Radio Erena: March 31, 2014

Eri foot

ብተደጋጋሚ ህድማ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ተዳኺማ እትርከብ ኤርትራ ካብ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2015 ከምዝሰሓበት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ- CAF ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኤርትራ ነዚ ኣብ 2015 ኣብ ሞሮኮ ዝእንገድ ዋንጫ ኣፍሪቃ ናይ መጻረዩ ግጥም ንምክያድ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ምስ ደቡብ ሱዳን ፈላሚ ጸወታ እኳ እንተነበራ፣ ካብቲ ግጥም ስለዝሰሓበት፣ ደቡብ ሱዳን ብፎርፌ ክትዕወት ክኢላ ኣላ።

 

ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ዘዝስኸድዎ ሃገራት እናተረፉ ዑቕባ ክሓቱ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ጋንታታት ኤርትራ ካብ ውሽጢ ሃገር ወጻኢ ኣብ ዘካይድኦ ግጥም፣ ካብ ዓወት ወይ ስዕረት ንላዕሊ፣ ብዝሒ ህድማ ተጻወቲ ዝዓበየ ኣርእስቲ ማዕከናት ዜና’ዩ።

ንህድማ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ብናይ ዋሕሲ ትሕጃ ገንዘብን ሊቸንሳታትን ክፍውሶ ዘይክኣለ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሃገራዊት ጋንታ ካብቲ ወሳኒ ናይ ኣፍሪቃ ግጥማት ክትስሕብ ጥራይ’ዩ ወሲኑ።

እዚ ናይ ኤርትራ ውሳኔ’ዚ ንተጻወትን ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዓቢ ሞራላዊ ክሳራ ኣውሪዱ ከምዘሎ’ውን ይፍለጥ።

ዋንጫ ኣፍሪቃ 2015 ዝመጽእ ዓመት ካብ 17 ጥሪ ክሳብ 7 ለካቲት ኣብ ሞሮኮ ዝካየድ ኮይኑ፣ ፈላሚ ናይ መጻርዩ ግጥም፣ ኣብ 11 ሚያዝያ ኣብ መንጎ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ኣስመራ ክካየድ’ዩ ተወሲኑን ኤሩ።

ናይ መልሲ ግጥም ድማ 18 ሚያዝያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ክካየድ ተመዲቡ እኳ እንተነበረ፣ እዚ እቲ ህድማ ተጻወቲ ከስዕብ ይክእል’ዩ ተባሂሉ ዝተፈርሐ’ዩ ኔሩ።

ኤርትራ ካብ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2015 ብወግዒ ስለዝሰሓበት ድማ፣ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝሓደሰት ሓዳስ ሃገር ደቡብ ሱዳን ብፎርፌ ሓሊፋ ኣላ።

=============================== 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0